ባንኪ ወጋገን ምስ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን መቐለ ሓቢሩ ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪሙ። ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ወጋገን ሪጅን ስሜን ኣይተ ሃፍቶም ገ/ሄር ምስታ ማሕበር ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ሲስተም ኮር ባንኪንግ (ብሲስተም ዝተደገፈ ምዝማን ስራሕቲ እታ ማሕበር)፣ ልቃሕ ፣ስልጠናን ሞያዊ ደገፍ ሞባይል ባንኪንግን ሓዊሱ ንዕብየት እታ ማሕበር ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።


ፕረዝዳንት ቦርድ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን መቐለ ኣይተ ሃፍቱ ወላሞ ምስ ባንኪ ወጋገን ዝተፈረመ ስምምዕ ስሉጥን ዘመናውን ስራሕቲ ፋይናንስ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቦም። ካብ እትምስረት ሓደ ዓመት ዘቑፀረት እንትኾን 60 ሚልዮን ብር ካፒታል ዝወነነትን እንትኾን ልዕሊ 45 ሚሊዮን ብር ልቓሕ ንኣባላታ ከምዝሃበት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።