ኣብ ዘበነ ብሉይ ካብ ዝተርኣዩ ብሉፃት ግሪካውያን ሊቃውንቲ ሓደ እዩ ጲላጦስ።እዚ ፈላስፋ ሳላ ውርዙያት ሓሳባቱ ሰማየ ሰማያት ዝተሰቕለ ባንዴራ ክብሩ ክሳብ ሎሚ ኣይወረደን።
ንጲላጦስ ኣሰረይ ሰዓብ ኢሉ ናብ ፍልስፍና ዓለም ዝፀምበሮ መምህሩ ሶቅራጦስ ኰይኑ ንሱ ከኣ ብግዲኡ ንኣሪስጣጣሊስ ብደቀ መዝሙርነት መልሚሉዎ።
ናይ ሶቅራጦስ ተምሃራይ፣ መምህሩ ንኣሪስጣጣሊስ ዝኾነ ጲላጦስ ”ዘ ሪፐብሊክ” ዘርእስቱ ድርሳን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ መፅሓፍ ብዛዕባ ‘ፈላስፋ ነገስታት’ ዝድህስስ ምዕራፍ ሰፊሩ ዘሎ ኰይኑ ”ፈላስፋታት ነገስታት እንተዘይኰይኖም ወይ ነገስታትን መሳፍንትን ‘ዛ ዓለም ፡ መንፈስን ሓይልን ፍልስፍና እንተዘይሃልዩዎም ፖለቲካን ጥበብን ፈፂሞም ከይተራኸቡ ይተርፉ” ይብል። ጲላጦስ ወሲኹ ድማ ንሓደ ሕብረተሰብ፡ ውሕጅ ከይመፀ መገዲ ውሕጅ ዝፀርጉ መራሕቲ የድልዩዎ፤ እዚ ንክገሃድ ‘ውን ፈላስፋታት ስልጣን ክዓትሩ ይግባእ ወይ እቶም ስልጣን ዝሓዙ ኣካላት ግድን ብዛዕባ መዋፅኦ ሕ/ሰብ ክፈላሰፉ ኣለዎም ይብል።

ፈላስፋ ጲላጦስ ነቲ ፈላስፋታት ይምርሑ ዝብል ፅንሰ ሓሳቡ እንተራጉድ ”ነገስታት ክፈላሰፉ እንተዘይክኢሎም ግደ መሪሕነቶም ክቕፅል ኣይኽእልን፤ ኣለና ዝብሉዎ ስልጣን ይኹን ዓዲ’ውን ገሃን መሃን ኰይኑ እዩ ዝተርፍ” ኢሉ ይነግረና።እቶም ሰብስልጣን እምብለና ኣብ ዝብሉላ ሁመት ምስ ሓቅን ፍትሒን ብስኒት ዝነብሩ፣ ካብ ፍቕረ ንዋይ ዝርሓቑ ፈላስፋታት እንተልዮም ነቲ ስልጣን ሽዑንሽዑ ክቆፃፀሩዎ ይግባእ ብምባል ‘ውን ይድምድም።

ነገስታት እንተዘይተፈላሲፎም ወይ ፈላስፋታት እንተዘይነጊሶም ዓለም ጎደሎ እያ ዝበለ ጲላጦስ እማንካ ጥራይ ዘይኮነስ ኣይፋልካን ዝብልዎ መጎትቲ ‘ውን ኣይተስኣኑን።ነቶም ሓሳብ ጲላጦስ ብዘላታ ዝተቐበሉ ገዲፍና ”ኣብዚኣማ” ንዝበሉዎ ጥራይ ክንጠቅስ።ጆን ዳልበርግ ኣክተን ኣብ ዓውዲ ፍልስፍና ሽሙ ተደጋጊሙ ዝፅራሕ እዩ።ኣክተን ንሓሳባት ጲላጦስ ካብ ዝሙግቱ ሓደ ኰይኑ ”ፈላስፋታት ካብ ምሕሳብ ሓሊፎም ግብራዊ ክእለት የብሎምን፣ረብሓ ዘየስድዖ ሰብ ስለዘየለ ድማ መንበር ምስረኸቡ ነገር ዓለሙ ክርስዑዎ ‘ዮም።እቶም ነገስታት ‘ውን እንተኾኑ ንስለ ስልጣኖም ክብሉ ንሓፋሽ ክውፅዑ ዘይሓነኹ ንፍልስፍና ክሕንድዩሉ ‘ዮም ምባል ዘበት እዩ።ኣነ ከፊኡኒ ሓፋሽ ይጥዓሞ ዝብል ሕልና ክውንኑ ዝከኣሎም ኣይኮነን” ክብል የተንብህ።

ዳልበርግ ኣክተን ሓሳቡ ኣይዓፀወን፡-እቶም ነገስታት ዋላ’ኳ ”ደሓን’ሞ ክንፈላሰፍ” ኢሎም መፅበዓ እንተኣተዉ ነቲ ግጉይ ኣገዛዝእኦም ፅቡቕ ቀለም ክቐብኡ ኣደዳ ነፍሒን ፕሮፓጋንዳን ይገብሩኻ እምበር ንሓፋሽ ዝረብሕ ሓሳብ ምምንጫውሲ ኣይንታዮምን ድሕሪ ምባል ስልጣን ንፈላስፋ ወይ ንመስፍን እናበልካ ብሓደ ኣካል ጥራሕ ክበሓት ዘግብር ክያዶ ክህሉ የብሉን፤ የግዳስ ተሓታትነት ብዘረጋግፅ መገዲን ሓቛፋይ ብዝኾነ ኣገባብን እዩ ክሽንሸን ዝግባእ ዝጭብጡ ቅዋም የስርፅ።
ነዚ ብዳልበርግ ኣክተን ዝግለፅ ”Power tends to corrupt, and absolute power corrupts absolutely” ማለት ‘ውን ‘ስልጣን ናብ ብልሽውና ገፁ እዩ ዝዛዚ፣ፍፁም ስልጣን ድማ ፍፁም ብልሽውና የስዕብ’ ዘጣቁኡ ርእየት ዝተቐበሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።በዚ ሓሳብ ካብ ዝተፃመዱ ሰባት ገሊኦም ቅድሚ ምምፃእ ኣክተን ኣትሒዙ ዝነበሩ ስሙያትን ዝበርሃሎምን ሰባት እዮም።ከም በዓል ኣሪስጣጣሊስ፣ ጀምስ ማዲሰንን ጆን ስቲዋርት ሚልን ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ፍልስፍና ከምቲ ብብሂል ዓድና ”ከበሮ ክትሪኦ የምሕር፣ ክትሕዞ ግና የደናግር” ዝበሃል ነገር ስልጣን ‘ውን ኣይከም ማዕዶ ኰይንካ ምቁማትን ኣብ ዝብል ነጥቢ እዮም ዝሳነዩ።እዞም ወገናት ዘሰላስሉዎ ፍረ ሓሳብ ፀሚዩቕካ እንትረአ ”ዝኾነ ይኹን ሕ/ሰብ ንዝኾነ ይኹን መራሒ (መስፍን ወይ ፈላስፋ) ክኣምን የብሉን፣ የግዳስ ንቁፅፅር ዝጥዕም ስርዓት ንክትከለሉ ጥራይ እዩ ክሓትት ዘለዎ” ኢልካ ዝእሰር ኰይኑ ንረኽቦ።

ዳርጋ ኩሎም ጭብጢታት ‘ዚ ክትዕ ጠገለ የብሎምን’ኳ እንዘይተብሃለ ድሕሪ ሕልፈት ጲላጦስ ዝመፁ ብምዃኖም ግና ብባዕሉ መልሲ ዝተውሃቦም ኣይኮኑን።
ሓሳባት ጲላጦስ ድጋፍ ይርከቡ ተቓውሞ ብዘየገድስ ንብዙሓት ዓውዲታት ፍልጠት ከውሊ ቀንጢጦም ዝሓለፉ ምንባሮም ዝጠራጠር ግና ኣይተርኣየን። ዓንዲ ለባም መሪሕነት ሒዝካ ተቖፀ ዝብል ሕመረት ዘለዎ ድምዳመ ዝነበሮ ጲላጦስ ሓደ ሕብረተሰብ ክሓልፈሉ ዘይክሓልፈሉ ብናይ ባዕሉ ጠለብ መሪሕነት ይውሰን ዝብል ርጡብ ዘረባ ኣፍኢሙ ዝሓለፈ ተባላሓቲ ኔሩ።
#ዲማ_ኣማረ


