Home ዜና ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረመ መሪሕነት ህወሓት ብዝኣተዎ ውጥጥ ኣብ ሓደጋ...

ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረመ መሪሕነት ህወሓት ብዝኣተዎ ውጥጥ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑና – 7 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ቢዝነስን

724

መቐለ፥ 26 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ክልተ ዓመት ሕዚ እውን ህዝብና ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን። ነቲ ውዕል ዝፈረመ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ነዚ ንምትግባር ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ናብ ውጥጥ ስልጣን ኣትዩ ናብ ብሄራዊ ሓደጋ ኣእትዩና ይርከብ ኢሉ ጥምረት ሸውዓተ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ቢዝነስን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።

ስለ ዝኾነ ዘለናሉ ኵነታት ብምርዳእን እዋናዊ ረብሓታት ህዝብናን ዓድናን ማእኸል ብምብግባርን ውሽጣዊ ምምዕርራይ ንገብረሉን ንህልውናና ቁልፊ ዝኾነ ሓድነት ንፈጥረሉ መፍትሒ ክነምፅአ ይግባአ ኢሉ ኣብቲ መግለፂ።

ብምዃኑ ድማ መቐፀልታ አቶም ቅድም ኢሎም ክነቕርቦም ዝፀናሕና መፀዋዕታታት መፍትሒ ሓሳብ ሕዚ እውን ነቲ ዘለናዮ ፖለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ዝኸውን ዝስዕብ እማመ ሰላም ኣዳሊና ኣለና ኢሎም።

ን ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝከታተልን ንስልጣን ፈፃሚ ስራሕ ዝቆፃፀርን ካብ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ዝተውፃእፀአ ግዝያዊ ቤትምኽሪ ብቕልጡፍ ክጣየሽ ፀዊዑ።

አቲ ተመዓራርዩ ዝጣየሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ምስ በቢ ደረጅኡ ዘለዉ ታሕተዎት መሓውራት ምምሕዳራት ተዋዲዱን ተሳንዩን ዝኸደሉ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ይግባእ ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ቀንዲ ትኹረቱ ቀዳምነት ዝወሃቦም መሰረታዊ ረብሓታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም፣ተመዛበልትን ሰደተኛታትን ትግራይ ምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ይግባእ ኢሉ።።

ሓይሊ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ማአኸሉ መንግስታዊ ልኡኽን ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ንዝተጣየሸሉ ልኡኽን መትከላትን ብዝምጥን መልክዑ ምዕሩይ ምሕደራ ክህሉ  ግቡኡ ክዋፃአ ከምዘለዎ የቐምጥ።

ሕጋውን ቅቡልን ዝተመረፀ መንግስቲ ክህልወና ስለዝግባአ ህዝብና ናብ መረበቱ ምስተመለሰ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምርድዳአ ብፉሉይ ኩነታት ኣብ ትግራይ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክጣየሽ ዘኽአል ምርድዳአ ክገብር ፀዊዑ።

ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ሓሳባት ሰላም ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ተቐባልነት ረኺቦም ናብ ትግበራ ተዘይተኣትዩ ንዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካልኦት መማረፅታት ዘናዲ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሳተፈሉ ህፁፅ ዋዕላ ከምንፅውዕ ወሲና ኣለና ክብል እቲ ጥምረት ሎሚ  ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

#ህሊና_ኣርኣያ