መቐለ፥ ሰነ 10/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ሃይለ ተኸሉ ብ1940 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተወሊዱ። ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ኣኸሱም ተማሂሩ።ካብ 1966-1969 ዓ.ም. ኣብ ጎንደር፥ ብ 1970 ድማ ኣብ ኣኽሱም መምህር ኮይኑ ሰሪሑ፡፡ መምህር ሃይለ ተኽሉ ክሳብ 1970 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ጊዜ ስርዒት ዓድዋ ካብቶም ኣዐርዮም ጠንካራታት ዝባሃሉ ሓደ ከምዝነበረ ኣብ ማህደር ቃልሲ 17 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ተሰኒዱ ይርከብ፡፡
ሃይለ ተኸሉ ወፅዓ ህዝቢ ትግራይ ዘሕርኖ፥ ድኽነትን ድሕረትን ህዝቢ ድቃስ ዝኸልኦ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን እዩ ነይሩ።
ብምዃኑ’ውን ኣንፃር ወፅዓን ብሄራዊ ዕብለላን ኣብ ዝግበሩ ሰልፍታት መሪሕ ኮይኑ ተሳቲፉ ፡፡ ንኣብነት ብ1968 ዓ.ም. ኣብ ጎንደር ኣብ በዓል ሜይደይ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ መሪሕ ተዋሳኣይ ብምንባሩ 26 መዓልቲ ተኣሲሩ።
ሃይለ ተኽሉ ብ1967 ዓ.ም. ምጅማር ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሰምዐሉ እዋን ንነብሱ ኣባል እቲ ቃልሲ ሰሪዑ ብውልቁ ተንቀሳቒሱ፡፡
ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነበሩ ተጋሩ ናብ ቃልሲ ካብ ምልዕዓል ጀሚሩ ምስ ውድብ ርክብ ፈጢሩ። ካብ
ጎንደር ሓሊፉ ኣብ ደብረ ማርቆስ፣ ኣዲስ ዘመን፣ ባህርዳርን ንዝርከቡ ተጋሩ ንቃልሲ ብምልዕዓል ዋህዮታት ኣጣይሹ እውን ይንቀሳቐስ ነይሩ፡፡
ሃይለ ተኸሉ ብከይዲ ክንደያ ዝብል ናይ ቃልሲ ተዋሂቡዎ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ እውን ውድባዊ
ዕማሙ ዝፈፀመ ተጋደላይ እዩ።
ክንደያ ኣብ መወዳእታ 1969 ዓ.ም ድማ ዕማም ውድብ ሒዙ ካብ ጎንደር ናብ ኣኽሱም ተዛዋዊሩ፡፡ ኣብ ማእኸል መማዕበሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ድማ «ጋህዲ» ·ንእትበሃል ናይታ ከተማ ስርዒት ልሳን ውድብ ብለይቲ እንዳራበሓ ናብ ኣባላት ክበፅሕ ይገብር ኔሩ፡፡
ነቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝፈጠሮ መርበብ’ውን ብሹፌራት ኣቢሉ ርክቡ ኣስጠመ፡፡ ናይቲ ከተማ ስርዒት ዘተሓባብር ዝነበረ ነጋሽ ለገሰ ናብ በረኻ ምስወፀ ድማ ምንቅስቓስ ስርዒት ከተማ ኣኸሱም ንኽመርሕ ምሉእ ሓላፍነት ተሸኪሙ ተንቀሳቒሱ፡፡

ክንደያ ሰነ 19/ 1970 ዓ.ም ኣብ ኢድ ስርዓት ደርጊ ወዲቑ ኩሉ ግፍዒታት ስርዓት ደርጊ ተፈፂምዎ፡፡
ምስጢር ህወሓት ተዛረብ እንዳተብሃለ ሰብ ክፆሮ ዘይኸእል መከራ ወሪድዎ፡፡ ይኹን’ እምበር እቲ ጭቆና፣ ድኽነትን ድሕረትን ህዝቢ ትግራይ ዘሕሞ ዝነበረ ክንደያ ብዛዕባ ናይ ሓደ ኣባል ስርዒት ህወሓት ሽም እንተይተንፈሰ፣ ኣሽሓት ዘፍረየት መልሓሰይ ኣሽሓት ኣይተጥፍእን ብምባል ነሓሰ 20/1970 ዓ.ም ለይቲ ሻሂ ይሰትየሉ ዝነበረ ቡሽ ሰይሩ ንመልሓሱ ብምቑራፅ ሕልሚ ፀላእቲ ንበለል ዘትረፈ ጅግና እዩ፡፡
በዚ ንዓለም ዘገረመ ፅንዓትን ውፉይነትን ሃይለ ተኽሉ (ክንደያ) መዓንጥኦም ዝሓረረ ካድረታት ደርጊ ነቲ ሓርበኛ ሰነ 22/1970 ዓ.ም ኣብ ፅርግያ ዘርጊሖምዎ ውዒሎም ረሺኖም፡፡
ተጋዳላይ ክንደያ ተኽሉ ( መምህር ሃይለ ተኽሉ ) “ዘይዕፀፍ ሓፂን” ቀጢን ኣዒንቱ ፍሩይ እዩ ነይሩ፡፡ ንብፀቱን ተጋደልቲን ከምዚ ብምባል ከምዝተሳናበቶም ይንገር ” ዝተፈተኹም ወገናተይ! ኣነ ሓሊፈ ኣለኹ! ንስኻትኹም ቀፅሉ፡፡ ኣነ ጉዕዘይ ወዲእ ኣለኹ፡፡ ንስኻትኹም ገስግሱ፡፡ ኣነ ኣብ ዕላማይ ፀኒዐ ኣለኹ፡ንስኻትኩም እዉን ናተይ ኣብነት ተኸተሉ፡፡ ዓወት ንሓፋሽ!”
ኩነታት ኣማውታ ተጋዳላይ ክንደያ ዝምልከት ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምስናድ ታሪክ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣፈወርቂ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ “ተጋዳላይ ክንደያ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምስ ኣተወ ዘለዎ ምሽጥር ንክነግሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ፅዕንቶ ፈጠሩሉ። ንከባቢ ወርሒ ከሳቕዩዎ ወላኳ እንተፀንሑ ምንም ክዛረብ ኣይኸኣለን። ሐደ መዓልቲ ፅባሕ ክነግረኩም ኢሉዎም ምሽጥር ንምርካብ ተዳልዮም ኣብ ዝመፁሉ እዋን ቅድሚ ምዝራቡ ሻሂ ይደሊ እየ ብብርጭቆ ኢሉ እታ ሻሂ ዚሓ ዝነበረት ብርጭቆ ሰይሩ ድማ ምሽጥር ንዘይምውፃእ መልሓሱ ቆሪፁ” ኢሎም ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሩም ቃለ መሕትት።

እዚ ምሽጥር ምውፃእ ማለት ንብዙሓት ዝልክምን ነቲ ቃልሲ ዘተዓናቕፍን ምዃኑ ስለ ዝተረደአ እዩ ከምኡ ገይሩ ተስፋ ብምቑራፅ ኣውፂኦም ከም ዝረሸንዎ ኣረዲኦም ኣምባሳደር ፍስሃ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምሕላው ምሽጥር ሐዚ የለን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር እዚ ድማ ናይ ቃልሲ ወነ ምሽርሻርን ንኣጉል ተፈታውነትን ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ እንትትቃላዕ እታ ቅንዕቲ ናይ ቃልሲ ኣተሓሳስባ ስለ እትሽርሸር እዩ ኢሎም።
ኣነ ወዲ 6 ወርሒ እናሃለኹ እዩ ኣቦይ ተሰዊኡ ዝበለ ዉላድ ክንደያ ሳምራዊ ሃይለ ተኹሉ ኣቡኡ ፈታዊ ስድርኡን ዓዱን ምንባሩ ብስድርኡ ከም ዝንገሮ ዝኽሪ ሰማእታት ብዝምልከት ብ2013 ዓ.ም. ምስ ኣክሱማውያን ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።


ክንደያ ኣብ ኣኽሱም ይመሃር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ይነጥፍ ከም ዝነበረን ኣብ ህዝቢ ይፍፀሙ ዝነበሩ ግፍዕታት ምስ ረኣየ ንምቅላስ ከም ዝወሰነ ውላድ እቲ ጅግና ሳምራዊ ይዛረብ።
ባዕሉ የምህሮ ዝነበረ ንእሽተይ ሓው እውን ሰራዊት ደርጊ ኣብ ማእኸል ከተማ ከም ዝረሸኑሉ ኣረዲኡ ውላዱ ንክንደያ ሳምራዊ።
ጅግንነት ተጋደላይ ክንደያ ተጋደልቲ ትግራይ ህዝባዊነትን መትከልን ከምዝነበሮም ብግብሪ ዝነግር እዩ። ንዕላማ እንዲ ምንታይ መስዋእቲነት ከምዝሓትትን ምዕቃብ ምሽጥር ሓደን ዓንዲን ባእታ እቲ ቃልሲ ከምዝነበረ ካብ ተጋደላይ ክንደያ ንመሃር።
መንእሰይ ወለዶ እውን ካብ ኣያታቱን ኣዴታቱን ትርጉም ቃልሲን መትከላዊነትን ክመሃርን ትምህርቲ ክወስድን ኣለዎ። እዚ ክብርን ፀጋን ወለዱ ኣብ ግብሪ ብምዉዓል ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓዚ ገጢሙዎ ዘሎ ፀገም ክፈትሕ ይግባእ መልእኽትና እዩ።