Home ዜና ንተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር ደው ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ንተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር ደው ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

124

መቐለ፥ 4 ሕዳር 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ንተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ዝግበር ቀረብ ኣፅዋር ደው ክብል ምክትል ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ፖለቲካን ምስፋን ሰላምን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሮስመሪ ዲካርሎ ኣተሓሳሲበን።

ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ድጋፍን ካብ ደገ ዝቐርበሎም ኣፅዋር ውግእ ብምትእምማን ኲናት ኣብ ምቕፃልን ተዋጋእቲ ኣብ ምምልማልን ከምዝርከቡ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊት ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፀን።

በዚ ድማ ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ይናዋሕ ስለዘሎ ናብዞም ሓይልታት ዝግበር ምቕራብ ኣፅዋር ደው ክብል ይግባእ ኢለን።

እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎን ዘይሕጋውን ተግባር ደው ንከብሎ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝሓተታ ዲካርሎ፣እቶም ኣፅዋራት ውግእ ብመንን ካበይን ይቐርቡ ከምዘለው ግን ኣይገለፃን።

ሚያዝያ 2023 ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት ሱዳን ልዕሊ 24 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 11 ሚልዮን ከም ዝተመዛበሉን ዘፍለጠ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ኣሎ ኢሉ።

ክልቲኦም ሓይልታት ገበን ኲናት ከም ዝፈፀሙ ንትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብምፅራሕ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ዳርፉር ገበን ምፅናት ዓሌት ከም ዝተፈፀመ አረዲኡ።

ኣብ ሱዳን ገበን ፈፂምም ንዝበለቶም ላዕለዋይ ወተደራዊ ኣዛዚ እገዳ ከምዘንበረት ድማ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

እቶም ወታደራዊ ኣዛዚ ምዕራብ ዳርፉር፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሄር ተኮር ገበናትን ፆታዊ ባርነትን ፈፂሞም እዮም ይብል ፀብፃብ ኣልጀዚራ።

#ብኪሮስ_መሓሪ