መቐለ፥ 29 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ሰለስቲኡ ምዕራፍ ዝተጋደለ ትግራዋይ ሓርበኛ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት መንበሪ ቦታ ክረክብ መሬት ከም ዘዳልው ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይን ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይን ብሓባር ብምዃን ደንቢ መሰልን ተጠቃምነትን ሓርበኛ፣ ስድራ ስዉእ ሓርበኛን ስድራ ሓርበኛን ተግባራዊ ዝኾነሉ መንገዲ መብርሂ ሂቦም።
ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ገብረሂወት፣ ተጠቃሚ መሬት ዝኸውን ሓርበኛ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት፣ ኣብ ኲናት ኤርትራን ኣብ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይን ዝተጋደለን ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘይተሰለፈን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ መጠሻ ዘለዎ ዋላ ይኹን፣ ንክብሪ እቲ ሓርበኛ ክበሃል መሬት ክወሃቦ እዩ፤ ኮይኑ ግና ቅድሚ ሕዚ ብምግዳሉ ምኽንያት፣ መሬት ንዝረኸበ ሰብ ኣይምልከትን ኢሎም።
ስዉእ ሓርበኛ፣ ቀዋሚ ምሉእ ጕዱእ ኣካልን ቀዋሚ ክፋል ጕዱእ ኣካልን ቀዳምነት ተውሂቡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ዝትግበር ኮይኑ፣ እቲ ዝተረፈ ሓርበኛ እውን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ተጠቃሚ ክኸውን እዩ ኢሎም።

እዙይ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ካብ ደንቢ መሰልን ተጠቃምነትን ሓርበኛ፣ ስድራ ስዉእ ሓርበኛን ስድራ ሓርበኛን ዝተቐድሐ መምርሒ ቊፅሪ 7/2017 ዓ.ም ከም ዘዳለወ ኣፍሊጦም።
እቲ ሓርበኛ ቅድሚ ምግዳሉ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ፣ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ወይ ድማ ክጋደል እንተሎ ዝነብረሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ መሬት ክወሃቦ ከም ዝኽእል ኣይተ ካልኣዩ ተዛሪቦም።
ምኽትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር፣ ቀዋሚ ምሉእን ቀዋሚ ክፋልን ንምፍላይ ቦርድ ሓካይም ከም ዝተጣየሸ ገሊፆም።
ቅደም ሰዓብ ተፈፃምነት ስድራ ስዉእ ሓርበኛ፣ ቀዋሚ ምሉእ ጕዱኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ፣ ቀዋሚ ምሉእ ጕዱኣት ኣካል ደቂ ተባዕትዮ፣ ቀዋሚ ክፋል ጕዱኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ፣ ቀዋሚ ክፋል ጕዱኣት ኣካል ደቂ ተባዕትዮ፣ ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓርበኛታት ደቂ ተባዕትዮን ስድራ ሓርበኛን መሰረት ዝገበረ እዩ።
እቲ ደንቢ ንክውሰን ግደ መንግስቲ ከም ዘሎ ኾይኑ እቲ ዓቢይ ውሳነ ግን ናይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ዓቅሚ ህዝብን መንግስትን ነዚ ዝወፀ ደንቢ ንምትግባር እኹል ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ ብዝብል ምስ ህዝብን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን እኹል ምይይጥ ከም ዝተገበረሉ ድማ ሓቢሮም።
በቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ታሪኽ ንዝሰርሐ ሓርበኛ ትግራይ ዝግበኦ እዩ ብምባል ድማ ፀዲቑ ናብ ተግባር ከም ዝኣተወ ኣብሪሆም።
#ይብራህ_እምባየ