መቐለ፥ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
“ኣብ ልዕሊ ኣባላትናን ኣመራርሓ ውድብናን ኢሉ እውን ደገፍቲ ውድብናን ብፖለቲካዊ ቅዋሞምን እምነቶምን ካብ መንግስታዊ ስራሕ ምእጋድን ምብራርን ጠጠው ክብልን ንሓትት” ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ተዛሪቦም።
ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ናይ ወረዳን ዞባን ኣመራርሓ ብህዝባዊ ዋዕላ ከምዝምረፁን ናብ ሓላፍነት ከምዝመፁ ዓንቀፅ 22 ፣ 23 ፣ 25 ፣ 26 ብምጥቃስ ዘረድኡ ኣይተ ገብረ ዞባ ኣመሓዳሪ ድማ ብቀጥታ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ከምዝምደብ ዓንቀፅ 23 ንኡስ 1-ሀ ብምጥቃስ ኣመላኺቶም።
“ይኹን እንበር ዝተቐመጠ መትከልን ኣሰራርሓን ብምጥሓስ ስልጣን ኣብ ዘይብልካ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብና ጥፈኣቶም ከይተገምገመን ከይተፃረየን ብዘለዎም ፖለቲካዊ ውግንናን ኣረኣእያን ጥራሕ ካብ ሓላፈነቶም ምብራር፣ በቲ ካልእ ድማ ስልጣን ዘይብልካ ስልጣን ምሃብን ምሻምን ኣግባብ ዘይብሉ ኢደ ወነናዊ ብምኳኑ ጠጠው ንክብልን ብዘይ ስርዓት ዝተልዓሉን ዝተሸሙን ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ይግባእ” ክብሉ ገሊፆም ።
“ህወሓት ኣብ ክልተ ከም ዝተመቐለ ብምምሳል ዝግበር ዘሎ ትረኻ ንህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ከይዲ ስለ ዝኾነ ብኣግኡ ክእረም ይግባእ” ኢሎም።
ብፍላይ ሚድያታት፣ ኣብ ምንቃሕ ህዝቢ ትነጥፉ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን፣ ትካላት ፍትሕን ፀጥታን ሲቪክ ማሕበራትን ነዚ ተግባርን ምንቅስቓስን ኣብ ምእራም ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ንሓትት።” ኢሎም።
“መትከልን ኣወዳድባን ኣሰራርሓን መተሓዳደሪ ደንቢ ህወሓት ዓንቀፅ 8 ንኡስ 4 ልዕልና ብዙሓትን መሰል ውሑዳትን ብዘረጋግፅ ክትግበር ከምዘለዎ የቐምጥ። ካብዚ መትከል ሕጊ ምርዳእ ዝከኣል ዝተኻየደ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ውድብና ካብ ጠቕላላ ተኣካቢ ጉባኤተኛ 83% ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእሎ ናይ ብዙሓት ድምፂ ብዘረጋግፅ ኣግባብ ዝተኻየደ ብምዃኑ ሕጋዊ እዩ” ብምባል የረድኡ።
“በቲ ካልእ ገፅ ንሕና ሕጋውያን ህወሓት ኢና ዝብል፣ ዘይሕጋዊ እናሃለኻ ሕጋዊ መሲልካ ምድንጋር ኣግባብነትን ቅቡልነትን ዘለዎ ኣይኮነን። ሕጋዊነት ዝዕቀን ንእትምረሐሉ ሕጊ፣ ንትካላዊ መስርሕኻን ንውሳነ ኣብዝሓ ዝወከለካ ፓርትን ተገዛኢ እንትትኾን ጥራሕ እዩ።” ኢሎም።
ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ብኣቦመንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ኣካይደዮ ኣብ ዝበሎ ጉባኤ ኣቦ መንበር ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ኮይኖም ምምራፆም ይዝከር።

ቅድም ክብል ብምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ካብ 20-22 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣካይደዮ ኣብ ዝበሎ ስትራተጂክ ገምጋም ምውሓስ ውድብ፤ ምውራድን ምድያብን ሹመኛታት መንግስቲ ናይ ፕሬዝደንት ትግራይ ስልጣን እምበር ናይ ቤትፅሕፈት ህወሓት ዘይምዃኑ ኣይተ ጌታቸው ምግላፆም ይዝከር።
ብኣቦመንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ዘካየዶ ጉባኤ ንሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ዝጥሕስን ዘይሕጋውን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦን ብምዃኑ ሕጋዊ መበል 14 ጉባኤ ንምክያድ ምድላው ይግበር ምህላዉ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተገለፀ ይፍለጥ።
#ቶማስ ሓዱሽ