Home ዓለምለኻዊ ዜና ን200 ዓመታት ብእንግሊዝ ተታሒዙ ዝፀንሐ ደሴት ቻጎስ ንማውሪሼስ ክምለሰላ ተወሲኑ።

ን200 ዓመታት ብእንግሊዝ ተታሒዙ ዝፀንሐ ደሴት ቻጎስ ንማውሪሼስ ክምለሰላ ተወሲኑ።

932

መቐለ፥ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ኣብ መንጎ ማውሪሼስን እንግሊዝን ንዓመታት ዝፀንሐ ክትዕ ይግበኣኒ ብስምምዕነት ከም ዝተፈፀመን ደሴታት ቻጎስ ምስ ሙሉእ ሉእላዊነቱ ንማውሪሼስ ክመሓላለፍ ምውሳና እንግሊዝ ኣፍሊጣ፡፡

ማውሪሼስ ኣብ 1968 ዓ.ም.ፈ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ናፃ እንትትወፅእ ደሴታት ቻጎስ ሓቢረን ናፃ ክወፃ እናተገበአን፤ ድያጎ ጋርስያ ብዝብል ሚሽጥራዊ ውዕሊ ኣሜሪካን እንግሊዝን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባዕዲ ምፅነሐን ዝተገለፀ ኮይኑ፤ መንግስቲ ማውሪሼስ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፈርዲ ክሲታት መስሪቱ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ኣሜሪካ ብውዕል ዲያጎ ጋርስያ ክተመሓድረን ዝፀንሐት ደሴታት ቻጎስ ኣብ ሰላማዊ ውቂያኖስ ወታደራዊ ናቑጣ መራኽብን ነፈርቲን ገይራ ክጥቀመሉ ምፅነሓ ዝሓበረ ቢቢሲ፤ ንውሳነ መንግስቲ እንግሊዝ ስዒቡ ኣብቲ ደሴት ዝነበረ ጠቕላላ ሃዋህው ክልወጥ ከም ዝኽእል ይትንቢ፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ