Home ዜና ን400 መናእሰይ ስልጠና ፈጠራ ስራሕ ምሃብ ጀሚረ – ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ

ን400 መናእሰይ ስልጠና ፈጠራ ስራሕ ምሃብ ጀሚረ – ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ

632

መቐለ፥ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሽፕ ኢትዮጵያ ን400 መናእሰይ ከተማ መቐለ ስልጠና ፈጠራ ስራሕ ምሃብ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

እቲ ስልጠና ዓለም ለኸ ሰሙን ኢንተርፕነርሽፕ ምኽንያት ብምግባር ሚኒስተር ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ምስ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ን4 መዓልቲ ከምዝፀንሕን ንመናእሰይ ዝተፈላለዩ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናታት ብምሃብ ናብ ስርሖም ክሰማረዩ ዝሕግዝ እዩ ክብሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣተሓባባሪ ኣይተ ዳግማዊ ዮሃንስ ኣፍሊጡ።

እዞም መናእሰይ ስልጠንኦም ወሲዶም ኣብ ናይ ባዕሎም ስራሕቲ ምስ ተዋፈሩ ክትትል፣ ምኽሪ፣ ፋይናንሳዊ ደገፍን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕትን ምስ ዝምልከቶ ብምርድዳእ ከም ዝስራሕ እቶም መተሓባበሪ ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ናብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ቐፃሊ ከም ዝኾነን ምስ ልቓሕ ዝተተሓሐዘ ስራሕ ንዝጀመሩን ንክጅምሩ ኣብ ከይዲ ንዘለዉን ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓቢርና ንምስራሕ ተዳሊና ኣለና ኢሎም እቶም መተሓባበሪ።

ተሳፍቲ እቲ ስልጠና ብወገኖም፣ መናእሰይ ካብ ስደትን ካልኦት ዘየድልዩ ነገራትን ንምድሓን ንምርሓቕን ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣመልኪቱ ስልጠና ምጅማሩ ፅቡቕ ኮይኑ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ምምችቻው ልቓሕን መስርሒ ቦታን ንዘጋጥም ፀገም ምስ ዝምልከቶም ብምርድዳእ ክሳብ መወዳእታ ክትትል ንክገብሩ ትፅቢት ንገብር ኢሎም።

#ብጥዑማይ_ገዛኢ