Home ዜና ኢራን ንመዋቲ ፕሬዝደንታ ኢብራሂም ራይሲ ዝትክእ ሓዱሽ ፕሬዝደንት ንምሕራይ ኣብ ዝቕፅል 28...

ኢራን ንመዋቲ ፕሬዝደንታ ኢብራሂም ራይሲ ዝትክእ ሓዱሽ ፕሬዝደንት ንምሕራይ ኣብ ዝቕፅል 28 ሰነ 2024 ኣቆፃፅራ ግሮጎሪሳውያን መረፃ ክተካይድ እያ።

53

ኣብቲ ፕሬዝደንታዊ ንሕንሕ ዝሳተፉ ሽዱሽተ ተወዳደርቲ ዕላዊ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣፈጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባግር ጋሊባፍ፣ ነበር ተደራዳሪ ኒኩሌር ኢራን ስዒድ ጃሊሊን ከንቲባ ቴህራን ኣሊሬዛ ዛካኒን ካብ መንጎ እቶም ተወዳደርቲ ገሊኦም እዮም።

ፕሬዝደንት ኢራን ንሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላሕ ዓሊ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ፀፍሒ ስልጣን ምዃኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ነበር ፕሬዝደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሂወቶም ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።

#ብዛይድ_ተስፋይ