መቐለ፥22 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ኢራን ከባቢ 200 ሚሳይላት ናብ እስራኤል ከም ዝተኮሰት ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ዓለም ፀብፂበን።
መብዛሕቲኦም እቶም ሚሳይላት ብሓይሊ ምክልኻል ከም ዝመኸኑ ሰራዊት እስራኤል ዘፍለጠ እንትኾን፣ዝተወሰኑ ሚሳይላት ኣብ ማእኸላይን ደቡባውን እስራኤል ከም ዝዓረፉን ውስን ጉድኣት ከም ዝበፅሑን ተገሊፁ።
ወኪላት ሲኤንኤን ኣብ እስራኤል ነቶም ሚሳይላት ንምምካን ካብ እስራኤል ዝተተኮሱ ሚሳይላት ከም ዝረኣዩን ድምፂ ሳይረን ከም ዝሰምዑን ምስክርነቶም ሂቦም ።
እስራኤል ብኢራን ዝተፈነወላ መጥቃዕቲ ሓደገኛን ከቢድ ሳዕቤን ዘስዕብን ምዃኑ ገሊፃ ኣላ።
ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ነቲ ብእስራኤል ዝተቐተሉ መራሒ ሂቦላህ ሓሰን ነስረላን ካልኦትን ከም ዝኾነን ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ኢላ ከም እትኣምነን ገሊፃ።
መራሕቲ ሃገራት ዓለምን ዓለምለኸ ውዳበታትን ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዞባዊ ኩናት ንክውላዕ ዝገብር እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
እተን ሃገራትን ደገፍተንን እዚ ዓለምለኸ ስግኣት ብምርዳእ ጥንቃቐ ክገብሩ ውን ኣተሓሳሲቦም።
ምላሽ እስራኤል ንመጥቃዕቲ ኢራን እንታይ ክኾን እዩ ዝብል ድማ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።
ከባቢ ሓደ ዓመት ዝፀንሐ ኩናት ጋዛ ካብ ዝጅመር ንደሓር ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ንኻልኣይ ግዘ እንትኾን እቲ ኩነታት ናበይ ከምርሕ ይኽእል ዝብል ጉዳይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊፆም።