መቐለ፥ 3 ጳጒሜን 2016 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)_ ኣሜሪካ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ንቐፃሊ ሓደ ዓመት ከምዘናወሓት ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን እቲ እገዳ ክናዋሕ ውሳነ ምሕላፎም ዋይት ሃውስ ዕላዊ ገይሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ውሳነ ኣብ ዘሕለፍሉ ደብዳበ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንሰላም፣ ፀጥታን ምርግጋዕን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን ይኹን ንፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘለዎ ስግኣት ሕዚ እውን ቀፂሉ እዩ ኢሎም።
በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተነበረ እገዳ ክሳብ 17 መስከረም 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ምንውሑ ወሳኒ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኲናት ትግራይ ጠጠው ክብል፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፅእ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ናብ ድርድር ክመፁን ዝገበረቶ ፃዕሪ ተቀባልነት ብዘይ ምርካቡ ስዒቡ ዝተነበረ እገዳ ምንባሩ ይዝከር።