ስነ ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ / ፅባሕ ሰንበት 26 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ጽርሃ ኣርያም ካቴድራል ቤተ-ክርስትያን እንዳገብርኤል መቐለ፤ ኣብ ቀጽሪ ምዕራፍ ጀጋኑን ሓርበኛታት ትግራይ ሰዓት 3፡00 ንጕሆ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣፈፃፅማ ስነስርዓት ቀብሪ እቲ ጅግና ተጋዳላይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣመላኺቱ ኣሎ ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ስነስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ጅግና ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ / ብሃይማኖታዊ ስነስርዓትን ፡ ወታደራዊ ዓጀባን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።
ኮሚሽነር ጀነራር ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ / ብሕማም ኣብ ከተማ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክትትል ሕክምና ክከታተል ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ 24 መስከረም 2017 ዓ/ም ዓሪፉ።
ኮሚሽነር ጀነራር ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ / ካብ ወላዲኡ ሓለቃ 50 ከበደ ኣባዲ : ከምኡ እዉን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ንግስቲ ኣርኣያ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 1952 ዓ.ም ተወሊዱ።
ቀደማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ሃፀይ ዮዉሃንስ ቤት ትምህርቲ ዝተከታተለ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ : ህዝቢ ትግራይ ን 17 ዓመታት ኣብ ዘኻየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝበፅሓን ብፅንዓቱን ጅግንነቱን ዝፍለጥ ምንባሩ ብፆቱን መቃልስቱን ይገልፁ።
ቅድሚ ኩነታት ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፌደራል ፖሊስ ዝነበረ ጅግና ተጋዳላይ ግርማይ : እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ድማ በረኻ ወፂኡ ግቡኡ ዝፈፀመ ጅግና ተቓላሳይ እዩ ።
ቴሌቭዥን ትግራይ ብምኽንያት ሕልፈት ሕይወት ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ግርማይ ማንጁስ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ንመላእ ስድርኡ፣ ብፆቱን መቓልስቱን፣ ናይ ሞያ መሓዙቱን ድማ ጽንዓት ይምነ።