Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጢ ህውሓት ከምዘሎ ኣምሲልካ ንምርኣይ...

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጢ ህውሓት ከምዘሎ ኣምሲልካ ንምርኣይ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን:- ጉባኤ ዘካየደ ኣመራርሓ ህወሓት

98

መቐለ፥14 መስከረም 2016 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ጉባኤ ዘካየደ ኣመራርሓ ህወሓት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 12 መስከረም 2017 ዓ.ም ንዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጢ ህውሓት ከምዘሎ ኣምሲልካ ንምርኣይ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን ኢሉ። ህወሓት ንዝገጠሞ ውሽጣዊ ፀገም ንምፍታሕ ዓሊሙ ጉባኤ ከምዘካየደን መፍትሒ ኣንፈት ከምዝነፀረን ኣብቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

“እቲ ኣብ ጉባኤ ዘይተሳተፈ ሓይሊ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ህውሓት ንከፍርስ ተዋዲዱ ይሰርሕ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።

” ግዝያዊ ምምሕዳር ንውፅኢታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፅምን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎታት ክህብን እምበር ንባዕሉ ናብ ስሩዕ ሃገራዊ መንግስቲ ለዊጡ ሰራዊት ክእዝዝ ኣይኽእልን ” ኢሉ።

” ሰራዊት ትግራይ ኣብ ውሽጢ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ባዕሉ ተሳትፎን ብፅሒትን ዘለዎ እምበር ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝጥርነፍ ፈፃሚ ኣካል ኣይኮነን ክብል ኣመላኺቱ።

ሰራዊት ትግራይ ብመስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ምፅንባርን ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ስድርኡ ክምለስ ዝፅበ ዘሎ ሓይሊ እምበር ከም ፖሊስን ሚሊሻን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጠርኒፉ መደባት ዘፍፅም ኣይኮነን ዝበለ እቲ መግለፂ እዚ ኣካይዳ ድማ ሰራዊት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐርቂሩ ንክብተን ዝገብር ሽርሒ እዩ ክብል ገሊፅዎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ንፁርን ውስንን ተልእኾ ሒዙ ከም መሰጋገሪ ዘገልግል እምበር ዝተማልአ መንግስታዊ ሓላፍነት የብሉን ዝበለ እቲ መግለፂ ካብቲ ዝተቐመጠሉ ግዘ ገደብ ክፀንሕን ንባዕሉ ናብ ዝተማልአ መንግስታዊ ሓላፍነት ክልውጥን ዝግበር ምንቅስቓስ ፀረ ዲሞክራስን ዘይሕገመንግስታዊን ኣካይዳ እዩ ክብል ገሊፁ።

“ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ተልእኾ ገዲፉ ኣብ ዘይምልከቶ እናኣተወ ህውሓት ንምፍራስን ሰራዊት ትግራይ ንምእዛዝን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል ይግባእ ኢሉ” እቲ ጉባኤ ብዘካየደ ኣመራርሓ ህውሓት ዝወፀ መግለፂ።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝረአዩ ፀገማት ንምምዕርራይ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኣቱ ዝሓበረ መግለፂ ናይቲ ጉባኤ ዘካየደ ኣመራርሓ ህውሓት፤ እቲ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ግን መዓዝን ብኸመይን ከምዝጅምሮ ግልፂ ኣይገበረን።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ12 መስከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ዘይኾነስ ኣብ ዉሽጢ ውድብ ህወሓት ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነቱ ዝተፈጠረ ምክፍፋል እዩ ኢሉ ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ።

ካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕጊ ዝተደንገገን ብዕላዊ ኣግባብ ዝተቐመጠን መንግስታዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእን ዝተማለአ መንግስታዊ ቁመና ንምውናን ኣብ ኩሎም ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘድሊ ናይ ሓላፍነት ምደባታትን ምትዕርራያትን፣ ናይ ህዝቢ መድረኻትን ናይ ለውጢ ስራሕቲን ሕግን ስርዓትን ብዝሓለወ ኣግባብ ምክያድ ከምዝቕፅል ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

“ኣካላት ፀጥታ ብካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር እናተመርሑ ብሕግን ስርዓትን መሰረት ዝወሃቦም ተልእኾ ኣብ ምፍፃም ፤ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ዘይሻራዊ መትከልን ቅዋምን ተኸቲሎም ዝሰርሑ ምዃኖም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ የረጋግፅ” ክብል ምግላፁ እውን ይዝከር።