እታ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ የመን ዝተገልበጠት ጀልባ ኣስታት 250 ስደተኛታት ፅዒና ዝነበረት እንትኾን ምኽንያት መገለበጢኣ ድማ ከቢድ ንፋስ ምዃኑ ሰበስልጣናት የመን ኣፍሊጦምⵆ
ኣብታ ጀልባ ተሳፊሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ እቶም 78 ብሂወት ዝተረፉ እንትኾን ፤ ልዕሊ100 ስደተኛታት ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፍለጥ ዝጠቐሱ ሰብመዚ የመን ኣስከሬኖም ንምርካብ ኣለሻ ይካየድ ምህላዉ ሓቢሮምⵆ
ካብ ጅቡቲ ተበጊሶም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ባሕርን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ኣብ ዝጒዓዙ ስደተኛታት ተመሳሳሊ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ
ከምዘጋጥም እቶም ሰብመዚ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዝሓ ነቲ ሓደገኛ መንገዲ ዝመርፁ ስደኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝሓበረ ፀብፃብ ሮይተርስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ ልዕሊ 60 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምሟቶም ኣዘኻኺሩⵆ