Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብያተ ፍርዲ ነፃነተን ተሓልዩ ድሕሪ ኩናት ኣብ ዘሎ ስግግር ሓገዝቲ ንክኾና ድጋፍ...

ኣብያተ ፍርዲ ነፃነተን ተሓልዩ ድሕሪ ኩናት ኣብ ዘሎ ስግግር ሓገዝቲ ንክኾና ድጋፍ ክግበረለን ተሓቢሩ።

338

መቐለ፥14 ሕዳር 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዝን ትግራይ)

ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣብያተ ፍርዲ ትግራይን ተመክሮ ኣብያተ ፍርዲ ካልኦት ሃገራት ድሕሪ ኩናትን ኣመልኪቱ ምስ መሓዉራቱ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ “ግደ ኣብያተ ፍርዲ ድሕረ ኩናት ኣብ ዘሎ ማሕበረሰብ” ብዝብል ርእሲ መዛተይ ሓሳብ ዘቕረቡ ሙሁር ሕጊ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍስሃ ተመኩሮ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣብያተ ፍርዲ ካልኦት ሃገራትን ሐዚ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ክኽተለኦ ዝግባእ አሰራርሓን ኣቅሪቦም።
ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍስሃ ”ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ነፃነተን ተሓልዩ ድሕሪ ኩናት ኣብ ዘሎ ስግግር ሓገዝቲ ንክኾና ካብ መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ድጋፍ ክግበረለን” ከም ዝግባእ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር ኣሰፋ ድሕሪ ኩናት ካብቲ ኣብ ካልእ እዋን ዘገጥሙ ጥሕሰታት ዝተፈለዩ ጥሕሰታት ከምዘጋጥሙን ብፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያት ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ጉድኣት ኣካል፣ተመዛበልትን ካልኦትን ተሓሳቢ ብምግባርን ፍትሒ ከረጋግፁ ምዒዶም።

ኣብ ትግራይ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ናይ ሕጊ ክፍተት ከይፍጠር ኣብያተ ፍርዲ ዝከአለን ክገብራ ከም ዝግባእ ዝሓበሩፕሮፌሰር ኣሰፋ ድሕንነት ዳያኑን ካልኦት ሰብ ሞያን ንክሕሎ እውን ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ምርድዳእ የድሊ ኢሎም።

ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ንዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ቤት ፍርዲ ዋሓስ ክኾኖምን መሰላቶም ብኣግባቡ ንክጥቀሙ ክገብርን እዩ ዘለዎ ይብሉ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍስሃ።

ኣብ ሕጊን ኣሰራርሓን ሰራሕተኛ መዛተይ ሓሳብ ዘቕረቡ ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ ብወገኖም እዚ ሕጊ ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ዓቕሞም ማዕረ ዘይኾኑ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ፍትሓውነት ንምንጋስ ዝወፀን በቢ ግዚኡ እናተመሓየሸን ከከም ፓሊሲ ቁጠባን ኣሰራርሓን ሃገራት ዝቀያየርን እዩ።

ሕጊን ኣሰራርሓን ሰራሕተኛ ኢት/ያ ኣብ መንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝፍጠር ኣፈላላይ ዝኣሊ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብዚ ሕጊ ዘይተነፀሩ ጉዳያት ከምዘለው ኣብሪሆም።

እቲ ሕጊ ዘየካተቶም ንሰራሕተኛታት ጉዳዮም ዝረኣየሎም ሕጋዊ መሰርሓት እውን ንዘተ ቀሪቡ መብርሂ ተዋሂቡሉ።

እቲ ዘተ ፅባሕ እውን ዝቕፅል እንትኾን ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማትን ካልኦት ዛዕባታትን ተዘትዩ ብፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነን ካልኦት ኣመራርሓን መብርሂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።

ብኪሮስ_መሓሪ