Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዝለዓለ ውፅኢት ዝረኸቡ ብሉፃት ተምሃሮ ዘምሃረና ህዝቢ ንምግልጋል ንዝበለፀ...

ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዝለዓለ ውፅኢት ዝረኸቡ ብሉፃት ተምሃሮ ዘምሃረና ህዝቢ ንምግልጋል ንዝበለፀ ውፅኢት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

498

ኣብ ሃገራዊ ፈተና 2016 ዓ/ም ዝለዓለ ውፅኢት ዝረኸቡ ብሉፃት ተምሃሮ ዘምሃረና ህዝቢ ንምግልጋል ንዝበለፀ ውፅኢት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ


ካብ1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደምበስኮ፣ ካብ 8ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተማሂሩ።
ኣብ 2013 ዓ/ም ክፍተኑ ካብ ዝነበሮም ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብብርኪ ሃገር ካብ 700 ተምዝጊቡ ካብ ዝነበረ ነጥቢ 675 ብምምፃእ ሓዱሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ብብርኪ ሃገር ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ተምሃራይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣዩ ዮናስ ንጉስ።
ምሽጥር ዓወተይ ወለደይ፣ ቤተሰበይ ፣መምህራነይን ኣዕርኽተይን እዮም ዝበለ እዚ ንፉዕ ተምሃራይ
ትግራይ ብቴክኖሎጂ ማዕቢላ ክርኢ ስለ ዝደሊ ኮምፒተር ሳይንስ ከፅንዕ እየ ይብል።

ብልፅቲ ተምሃሪት ሄለን በርሀ


ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ ኣብ ጣብያ መኻን ቤት ትምህርቲ ተስፋይ ፈራደ ፣ካብ 4ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ከተማ ማይጨው ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣለም፣ ካልኣይ ብርኪ ድማ ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተማሂራ ።
ኣብ 2013 ዓ/ም ክፍተኑ ይግበኦም ካብ ዝነበሩ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ 2016 ዓ/ም ካብ ዝተፈተኑ ሓንቲ ዝኾነት ብልፅቲ ተምሃሪት ሄለን በርሀ 662 ካብ 700 ብምምዝጋብ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ሃገር ቀዳመይቲ ኾይና ።

ንጉብዝንኣ ድጋፍ ስድርኣን ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖን ዝለዓለ ምዃኑ እትገልፅ ሄለን ዘለካ ዓቕሚ ሙሉእ ብምሉእ ተጠቒምኻ እንተፅዒርኻ ዘይትጉብዘሉ ምኽንያት የለን ኢላ። ፅቡቕ ውፅኢት ዘይመፀሎም ተምሃሮ ድማ ተስፋ ከይቖረፁ ሙሉእ ዓቕሞም ተጠቒ የዋፀአና እዩ ኣብ ዝብሉዎም ስራሕቲ ክዋፈሩን ክመሃሩን ይግባእ ኢላ ።
ብፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ፊዚክስ ይኸብደኒ እዩ ነይሩ ኣብ ማትሪክ ውፅኢተይ ከይበላሾ ሰጊአ ምስ ካልኦት መሓዙተይ ብምትሕግጋዝ ፅዒረ ፍረ ፃዕረይ ውን ኣይሰኣንኹን ትብል እዛ ንፍዕቲ ተምሃሪት።

ዘይሕሰብ ከቢድ ነገር ሓሊፍኻ ፅቡቕ ፍርያት ምርካብ የሐጉሰኒ ዝበለት ሄልን ልክዕ ከምቶም ተወዳደርቲ ጉያ ማራቶን ሓይሎም ዓቂቦም ብምፅናሕ ካብ ድሕሪት መፅዮም ዝቕድሙ ዘይተገመተ ውፅት ምርካብ ደስ ከም ዝብላ ገሊፃ ።
ኣብ ዓድና ሕፅረት ሰብ ሞያ ኒሮሎጂ ስለ ዘሎ። ከቢድ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝሕስብ ድማ በቲ ዓይነት ትምህርቲ ዝመሃሩ ውሕዳት ስለ ዝኾኑ ኣብ ዝሐሸ ዩኒቨርስቲ ብኒሮሎጂ ተማሂረ ነቲ ዘሎ ክፍተት ክሽፍን እየ ዝደሊ። ሰኣን ሰብ ሞያ ወገናትና ክሳቐዩን ናብ ደገ እናኸዱ ክሕከሙን የብሎምን ኢላ።

ተምሃራይ ሙላት ወልዳይ


ኣብ ቤት ትምህርቲ መርሲፉል ፓራዳይዝ ካብ 1ይክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ ቐፂሉ ድማ ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ። ኣብ ቃላሚኖ ኩሉ ጎበዝ ተምሃራይ ስለ ዝኾነ እቲ ውድድር ዝለዓለ እዩ ምስ መምህራንናን መሓዙትናን ብዝገበርናዮ ፃዕሪ ድጋፍ ስድራ ተወሲኹዎ ዘሐጉስ ውፅኢት ረኺብና ። ኣነ ድማ ኣብ 2014 ዓ/ም ክፍተኑ ካብ ዝነበሮም ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ 2016 ዓ/ም ተፈቲነ 654 ካብ 700 ብምምፃእ ቀዳማይ ደረጃ ሒዘ ይብል ተምሃራይ ፍሉይ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ሙላት ወልዳይ።
ኣፅኒዕኻ እትረኽቦ ውኢት ዝዘራእኻዮ እትዓፅደሉ እዩ ዝበለ እዚ ንፉዕ ተምሃራይ ኣብ ቃላሚኖ ኩሉ ነገር ተማሊኡልና ክንመሃር ስለ ዝተገብረ ድማ ኣብ ደገ ብኣሉታ ክፀልዉና ካብ ዝኽእሉ ነገራት ርሒቕና ኣብ ትምህርትና ክነትኩርን ዝለዓለ ውፅኢት ክንረክብን ኣኽኢሉና ኢሉ።
ንቐፃሊ ኮምፒተር ሳይንስ ከፅንዕ ከም ዝወሰነ ዝገልፅ ተምሃራይ ሙላት ኣብ ዝሓሰብኩዎ ንክበፅሕ ጠንኪረ ክሰርሕ እየ ኢሉ

ተምሃሪት ብርኽቲ ሳህለ


ኣብ እንዳባፃሕማ ዕዳጋ ዓርቢ ተወሊዳ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዳባፃሕማ፣2ይ ብርኪ ድማ ኣብ ቤት ትምሕርቲ ቃላሚኖ ተማሂራ።
ኣብ 2014 ዓ/ም ክፍተኑ ይግበኦም ካብ ዝነበሩ ተምሃሮ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም ተፈቲና 648 ካብ 700 ብምምዝጋብ ካብ መላእ ተምሃሮ ትግራይ ቀዳመይቲ ብሓፈሻ ድማ 3ይ ደረጃ ዝሓዘት ብልፅቲ ተምሃሪት እያ ብርኽቲ ሳህለ።
ኣብ ፈተናታት ከመይ ክትብርትዕ ከም ዘለካ ብምርዳ ንፀገማት ኢደይ ከይሃብኩ ብምፅንዐይ እዩ እዚ ልዑል ውፅኢት ክመፀለይ ክኢሉ ትብል እዛ ንፍዕቲ ተምሃሪት።ናይ ባዕልኻ ድሌትን ቆራፅነትን ወሳኒ እዃ እንተኾነ ሓገዝን ምትብባዕን ወለደይ፣ቤተሰበይ፣ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ብፍላይ ብፅቡቕ ስነ-ምግባር ሃኒፆም ዕላማ ዘለካ ሰብ ንክትኾን ዘብቅዑ መምህራነይን ፍሉይ ቦታ ኣለዎም ትብል።
እቲ ፍሉይ ክንክን ዘድልዮን ጠቓምን ዓይኒ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ዓይኒ ሰባት ንክሕክም ድማ ናይ ዓይኒ ስፔሻሊስት ኾይነ ንዘምሃረኒ ህዝቢ ክኽሕስ ይደሊ ኢላ ተምሃሪት ብርኽቲ ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈተኑ 53 ሽሕን 93 ተምሃሮ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ዛጊድ ብዘሎ መረዳእታ 5 ሽሕን 15 ተምሃሮ ጥራሕ ከምዝሓለፋ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ እዩ።

#ብኪሮስ መሓሪ