መቐለ፥4 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ) ኣብ 2016 ዓ/ም ብደረጃ ሃገር 12 ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ 675 ካብ 700 ብምምፃእ ዝልዓለ ውፅኢት ዘመዝገበ ብሉፅ ተምሃራይ ዮናስ ንጉሰ ሽልማት ላፕቶፕን 20 ሽሕ ብርን ብማሕበር ነባራት ተምሃሮን ፈተውትን ቤት ትምህርቲ ፀሃየ ተበርኪትሉ።
ብተወሳኺ ብምምሕዳር ከተማ ሸረን ካልኦትን ትካላትን መተባብዒ ሽልማት ገንዘብ ከምተበርከተሉ ተገሊፁ።
ማሕበር ነባራት ተምሃሮን ፈተውትን ቤት ትምህርቲ ፀሃየ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር መንግሰቲ ዘይሸፈኖ ፀገማት ንምሸፋንን ንፉዓት ተምሃሮ ንምትብባዕን መሰረት ገይሩ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስሩዕ ሰርሑ ከምዝጀመረ ፕሬዝደንት እቲ ማሕበር ዶ/ር ሙሉ ኣደሬ ሓቢሮም።
ንተምሃራይ ዮናስ ኣብ ዝተገበረሉ ስነስርዓት ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ኣይተ ተፈሪ ሃይለመለኮት ተምሃራይ ዮናስ ንጉሰ ብሰንኪ ወራር ሙሉእ ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ዘይብሉ እዋን ብሃገር ደረጃ ዝልዓለ ውፅኢት ምምፅኡ ሓበን ከምዝተሰምዖም ገሊፆም።
ተማሃራይ ዮናስ ንጉሰ እቲ ዝተውሃቦ ሸልማት ንቀፃሊ ኣብ ትምህርቱ በርቲዑ ንክምሃር ከምዝሕግዞን ብኮምፒተር ሳይንሰ ተማሂሩ ዓዱ ንምልዋጥ ከም ዝፅዕርን ተዛሪቡ ክብል ርክብ ህዝብን መንግሰትን ከተማ ሸረ ፀብፂቡ።