Home ዜና ኣብ ልዕሊ ክልተ ህፃውንቲ ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀመ ውልቀሰብ ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ...

ኣብ ልዕሊ ክልተ ህፃውንቲ ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀመ ውልቀሰብ ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቕፃዕ ተፈሪዱዎ።

750

መቐለ፥ 14 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ልዕሊ ክልተ ህፃውንቲ ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀመ ውልቀሰብ ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተፈሪዱዎ።

መጋቢት 2016 ዓ.ም  ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ጣብያ 04  ገበን ከምዝተፈፀመ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሓበሬታ በፂሕዎ።

ፖሊስ ብመሰረት እቲ ዝበፅሖ ሓበሬታ ኣፃርዩ  ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ።

ከይዲ ምርመርኡ ብምቕፃል ኣብ ልዕሊ 11 ከምኡ እውን 12 ዓመት ዝዕድመአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ህፃውንቲ ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ ምዃኑ  ፖሊስ ኣረጋጊፁ ይብል ካብ ዳይረክቶሬት ዳይረክተር ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ገበናት ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ።

ወዲ 28 ዓመት ተኸሳሲ ክብሮም ኣብርሃ ኪዳነማርያም መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ንክልቲአን ተበደልቲ ህፃናት ዝተፈላለየ ምኽንያት ተጠቒሙ  ኣብ ልዕሊኤን ፆታዊ ዓመፅ  ከምዝፈፀመ ናይ ሰብን ሕክምናን መረዳእታ ብምእካብ ኣፃርዩ መዝገቡ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከም ዘሕለፎ ጠቒሱ።

ዓቃቢ ሕጊ ንዝቐረበሉ መዝገብ ብምርኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝበፅሕ ፆታዊን ኣካላዊን መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ተፈፂሙ ንዝተባህለ ገበን መቕፅዒ ሕጊ ኣብ ኢ.ፌ.ድ.ሪ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 627/ ቁፅሪ 1ን ቁፅሪ 5ን ዝተደንገገ ሕጊ ዝተመሓላለፉ ተኸሰስቲ ምስ 13 ዓመት ምስ ዘይመልኣ ህፃን ፆታዊ ርክብ ብምፍፃም ስነልቦናውን ኣካላውን ጉድኣት ብምብፃሕ ንዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ካብ 15 ዓመት ክሳብ 25 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ እስራት ከምዘቕፅዕ ዝተደንገገ ዓንቀፅ መሰረት ብምግባር ዓቃቢ ሕጊ ክሲ መስሪቱ ።

ተኸሳሲ ክብሮም ኣብርሃ ኪዳነማርያም ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቦታ ነተን ንዓቕመ ሄዋን ዘይበፅሓ ህፃናት ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልትታት ኣታሊሉ ምስኡ ክቐርባ ብምግባርን ድምፂ ከየስምዓ ኣፈን ብጨርቅን ማስትሽን ብምዕባስን ፆታዊ ርክብ ከምዝፈፀመለን ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ  መረዳእታ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ናይ ቅፅዓት ውሳነ ንክወሃብ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ኣዘኻኺሩ።

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ምድብ መጋባእያ ሽረ እንዳስላሰ ንዝቐረበሉ ክሲ ገበን ፆታዊ ዓመፅ መሰኻኽርን ናይ ተኸሳሲ እምነንት ክሕደትን ቃል  ብምስማዕ 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም  ተኸሳሲ ክብሮም ኣብርሃ ኪዳነማርያም ምስ ትሕቲ ዕድመ ህፃውንቲ ፆታዊ ዓመፅ  ብምፍፃም ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ከም ዝፈረደ ገሊፁ።

ወለዲ ድሕንነት ደቆም ክሕልዉን  ከምዚ ዓይነት መነወሪ ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት  ብምቅላዕን ሓበሬታ ብምሃብን ክተሓባበሩን ድማ ዳይረክቶሬት ዳይረክተር ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ገበናት ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።