Home ዜና ኣብ ልዕሊ ዘለና ፀገም ካብ ዝተወሃበና መስርሕ መሸጥን ቦታ ተልዓሉ ንብሃል ኣለና...

ኣብ ልዕሊ ዘለና ፀገም ካብ ዝተወሃበና መስርሕ መሸጥን ቦታ ተልዓሉ ንብሃል ኣለና – ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ዝተወፈሩ ኣካላት

362

ኣብ ልዕሊ ዘለና ፀገም ካብ ዝተወሃበና መስርሕ መሸጥን ቦታ ተልዓሉ ንብሃል ኣለና – ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ዝተወፈሩ ኣካላት

ድሕሪ ኲናት ትግራይ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተወሃቦም መስርሕን መሸጥን ቦታ ዘልዓልናዮም መፍረዪቲ ትካላት ማኑፋክቸሪንግ የለውን- ቤ/ፅ/ት ደኣንት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ መቐለ

መቐለ፥ ጉንቦት 15/2017 ዓ/ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ኣብቲ ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ምምሕዳር ከተማን ከተማ መቐለ ዝተዳለወ መድረኽ “መፍረይቲ ትካላት ማኑፋክቸሪንግ” ኣብ ምሕደራን ኣወሃህባን መስርሕን መሸጥን ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ብግዕዝይናን ኣድልዎን ዝተመልአ ብምዃኑ ቅልውላው ይፈጥረሎም ከምዘሎ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ተዛሪቦም።

መንግስቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዙርያ መስርሕን መሸጥን መሬት ስሩዕ ግልጋሎት ከይጀመረ ዝተፈቐደልኩም ግዜ ስለዝኣኸለ ተልዓሉ ምባል እምበር ተቐያሪ ቦታ ኣየቕርበልናን ዘሎ ኢሎም።
ቅያር ቦታ ከይሃበን ከየዳለወን ተልዓሉ ምባል ኣግባብነት ዘይብሉን ከቢድ ኪሳራ ዘስዕብን እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ስራሕትና ብዝኸኣልናዮ ዓቕሚ ከይንሰርሕን ከይንቀሳቐስን ከቢድ ፀጥታዊ ስግኣት ይገጥመና ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ከባብታት ሰብዓ ካሬ (ሚዘር) ዝግበር ምንቅስቓስ ኣቑሑ ካብን ናብን ብዝተወደቡ ዘይሕጋውያን ኣካላት ንመፅዓንን መውረድን ብግዴታ ክንዲዚ ክፈሉ ተዘይኮይኑ ኣይትንቀሳቐሱን እናበሉ ኣብ ገዛእ ዓድና መከራ ረኺብና ኣለና ክብሉ ይዛረቡ።

ዝወሰድናዮ ልቓሕ ብቫይረስ ኮሮናን ኲናት ትግራይን ኢሉ እውን ሲዒቡ ዝመፀ ክባን ዕፅዋን ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ሐዚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ወለዱ ክፈሉ ምባል ካልእ ተወሳኺ ፀገም ኮይንና ይብሉ።

ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ትግራይ ከበድቲ ዕንቅፋታት ከምዘለው ዓውዳዊ መፅናዕቲ ዘቕረቡ በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ኣታኽልቲ ኪሮስ (ዶ/ር) ኣብቲ ዝሓለፈ 5 ዓመት እቲ ዘፈር ኣብ ስራሕ ከምዘይነበረ ገሊፆም። እተን ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ኣብ ስራሕ ዘይወዓለ ተቖጣቢ ሰለስተ ነጥቢ ክልተ ቢልዮን ብር ከምዘለወን ድማ ገሊፆም።

ኣብ ሒሳብ ባንኪ ትግራይ ዝተዓቖረ መጠን ገንዘብ 115 ቢልዮን ብር እንትኸውን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኲናት መጠን ልቓሕ ትግራይ ልዕሊ 89 ቢልዮን ብር ከምዝበፅሐን እዚ ድማ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምህላውናን ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

መልሲ ዝምልከቶም ኣካላት

ሓላፊት ቤት ፅ/ት ደኣንት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ልእልቲ ፍስሃ ንሓሙሽተ ዓመት ተባሂሉ ዝተወሃበ መስርሕን መሸጥን ኣብ ግዜኦም ክለዓሉ ግድን ከም ዝኾነ ዝገለፃ እንትኾን ምስቲ ዘለናዮ ከቢድ ኩነታት ተታሒዙ ግና ክሳብ ሐዚ ዘልዓልናዮ ኣካል የለን ኢለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ንመስርሕን መሸጥን ተባሂሉ ዝተወሃበ መሬት ንዝተዓለመሉ ረብሓ ዘየውዓሉ ኣካላት ብሕጊ ከምዝሕተቱ ገሊፀን።

ጉዳይ ግልጋሎት መብራህቲ ዝምልከት ድማ መንግስቲ ብፍሉይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ክንዘራረበሉ ኢና ኢለን።

ምስ ሓገዝ ፋይናንስ ተተሓሒዙ ንዝተልዓለ ዛዕባ ምስ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ተደጋጊፍካ ክስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን። ብቐንዱ ግን መንግስቲ ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሕግዝን ምስ ትካላት ፋይናንስ ከተኣሳስሮምን ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪን እቶትን ዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ ደምቢ 19/2017 ኣመልኪቱ ንዝተልዓለ ቅሬታ ኣመልኪቱ መልሲ ዝሃቡ ኣተሓባባሪ ቤት መዘጋጃ እቶት ከተማ መቐለ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረየሱስ እኹል ፍልፍል ኣታዊ ብዘይምህላዉ ዓቕሚ ውሽጢ ኣታዊ እታ ከተማ ክዓቢ ተዓሊሙ ዝወፀ ምዃኑ ገሊፆም።

ከተማ መቐለ እኹልን ስሩዕን ማእኸል ዕዳጋ ብዘይምህላው ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ውሽጣዊ ኣታዊ ክእክብ ግድን ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ እዚ ድማ ብመምርሒ ክድገፍ ግድን እዩ ኢሎም።

ኣብዝሓ ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ሰብ ትካል ዘልዓሉዎ ሕቶን ጠለብን ዋላኳ ልክዕ እንተኾነ ኣብ ሓደ ሓደ ኣካላት ግን መሬት ሒዝካ ንመንበሪ፣ ንክራይን መሸጣን ከውዕሉ ዝደልዩ ከምዘለው ሓቢሮም። እዚ ተግባር ድማ ብሕጊ ዘሕትት እዩ ኢሎም።

ኣብ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት ዘሎ ሕትኹትኹን ሕጊ ኣልባ ኣከያይዳን ብዝግባእ ተዘይተመሪሑ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘስዕብ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ዘለና ሃፍቲ መሬት ብዝግባእ ተረዲእና ክነመሓድሮን ክንጥቀመሉን እምበር መሬት ንምውናንን ካብ ኣግባብ ወፃኢ ሃፍቲ ንምኽዕባትን ዝግበር ኣሰራርሓ ከይኸውን ልዑል ጥንቃቐ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኩሉ መስርሕን መሸጥን ኢሉ ዝሓትት ዘሎ ኣካል ድማ ካብዚ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ነፃ ምዃኑ ንዓርሱ ክፍትሽ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ግን እታ እትምልከቶ መስርሕን መሸጥን ስርዓት ብዝሓለወ መንገዲ ክተኣናገድ እዩ ኢሎም። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮን ኣመራርሓን ምንባብን ምርድዳእን ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብዚ ከተማ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ወፍሪ ከምዝግበር ገሊፆም። ኣብ ከባቢ ሰብዓ ካሬ( ሚዘር ሰፈር) ዘሎ ፀገም ትመና ዋጋ መፅዓንን መራገፍን ካብን ናብን ዝምልከት ድማ ስርዓት ክሕዝ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

መለስ_ኣለማት