መቐለ፥ 01 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ዘለዉ ጭካነ ዝተመልኦም መቕተልቲታት ጠጠው ንክብሉ፣ ገበነኛታት ድማ ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ ከም ዝሰርሑ ምክትል ፕሬዚደንትን ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ፣ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰልን መዛዘሚ ቅንያት መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫንን እዩ።

ካብ ምግፋዕን ምሽቝራርን ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከበድቲ ዝበሃሉ ገበናት ክፍፀሙ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ ኢሎም።
እዚ ድማ ኣብ ታሪኽና እቲ ዝኸፍአን መሕፈርን ተግባር ኢና ንርኢ ዘለና ኢሎም ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ግፍዓዊ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ንዝፈፀሙ ገበነኛታት ዝተውሃበ ግቡእ ፍርዲ ከም ዓቢይ ሰበር ዜና ኾይኑ ምቕራቡ፣ ሕብረተ ሰብ ክንደየናይ ፃምእ ፍትሒ ከም ዘለዎ ዘርእይ እዩ ኢሎም።
ተመሳሳሊ ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት ከምዚ ዓይነት ግቡእ ፍርዲ ከም ዝወሃቦም ፍሉጥን ልሙድን ክንገብሮ ኢና ኢሎም።
ምስ ፆታዊ ጥቕዓት ዝተሓሓዘ ሽግርን ግዝፈቶምን ንሓፂር ግዘ ጥራሕ ዝፀንሕ ፕሮጀክት ክኸውን ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።
እተን ተታሒዘን ዘለዋ መዛግብቲ እውን ግቡእ ፍርዲ ክረኽባ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ።
“ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብል ዝኽእል ኣተሓሳስባ ደቂ ተባዕትዮ ብምቕያር እዩ” ዝበላ ድማ ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረመስቀል።

ብርክት ዝበሉ ግፍዓዊ በደላት ደቂ ኣንስትዮ እናተኣናገድና ነኽብሮ ዘለና መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ንመዓልትታት ዝፀንሕ ዘይኮነስ ዓመት ምሉእ ትዅረት ገይርና ክንሰርሐሉ ዝግባእ እዩ ኢለን።
እዚ ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ኾይንና ነኽብሮ ዘለና መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣካላት ፀጥታ፣ ሲቪል ማሕበራትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ሓላፍነት ወሲዶም እዚ ኣነዋሪ ተግባር ደው ክብል ክሰርሑ ፃውዒት ነቕርበሉ እዩ ኢለን።

መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ኣብ ትግራይ ንኽልተ ሰሙን ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተኸቢሩ ዝቐነየ እንትኾን፣ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ መዛዘሚ እዩ።
#ብህሊና_ኣርኣያ