Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ሕጊ ሰፊሮም ብኣግባቡ ዘይተተግበሩ መሰላት ኣረጋውያንን ክረኽብዎም ዝግብኡ ረብሓታት ክረኽቡን ሓላፍነት...

ኣብ ሕጊ ሰፊሮም ብኣግባቡ ዘይተተግበሩ መሰላት ኣረጋውያንን ክረኽብዎም ዝግብኡ ረብሓታት ክረኽቡን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕ ኢና – ሜጀር ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ

257

መቐለ፥ 30 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ኣብ ሕጊ ሰፊሮም ብኣግባቡ ዘይተተግበሩ መሰላት ኣረጋውያንን ክረኽብዎም ዝግብኡ ረብሓታት ክረኽቡን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕ ኢና ኢለን ሓላፌት ቢሮ ሰሪሕተኛ ማሕበሪዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግሪይ ሜጀር ጀኔራል ዘውዱ ኪሮስ።

ኩለመዳይ ፀገማት አረጋውያንን መፍትሕታቶምን ዘተኮረ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ኣብ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ሓላፊ ጉዳያት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን መምህር ሃፍቶም ኣሰፋ ኣረጋውያን፣ ህፃናት ፣ደቂ ኣንስትዮን ኣካል ጉድኣትን ምኽባር ግቡእ ኩሎም ኣካላት እዩ ።ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተደንገገ እዩ ።

ኢትዮጵያ ዝተቐበለቶም ሕግታት፣ኣዋጃት ፣መምርሕታትን በቢብርኩ ብዝርከቡ ፈፀምቲ ኣካላት ብኣግባቡ እናተተግበሩ ኣይኮኑን ዓለምለኸ ሕጊ ዝሃቦም መሰላት፣ ረብሓታትን ክብርን ክወሃቦም ይግባእ ኢሎም።

ዓቕሞም ኣብ ዝፈቕዶም ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ንክሳተፉ ኩለመዳይ ደገፍ ክግበረሎምን ምችው ባይታ ክፍጠረሎምን ይግባእ እውን ኢሎም።

ንኣረጋውያን ዝግበር ደገፍ ትሑት እዩ።ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ዝግበር ትኹረት ዝነኣሰ እዩ ማሕበር ኣረጋውያን ቤት ፅሕፈት ንምርካብ እውን ኣፀጋሚ እዩ ፣አረገውያን ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለው፣ኣረጋውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ቀዳምነት ዝወሃቡሉ ኣሰራርሓ ይተኣታቶ ፣ኣመሓደርቲ ውን ወለዶም ክሪኡ አለዎም፣ ዝብሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ቀሪቦም ብዝምልከቶም ኣካላት ድማ ምላሽ ተዋሂቡዎም እዩ ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ኣረጋውያን ትግራይ ኣይተ ኣርኣያ ገሰሰው እታ ማሕበር በቲ ኲናት ዕንወት በፂሑዋን ንብረታ ተዘሪፉን ብምዃኑ ኣረጋውያን ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ብምግላፅ ዝምልከቶም ኣካላት ደገፍ ክገብሩ ሓቲቶም።

ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ሜጀር ጀነራል ዘዉዱ ኪሮስ ብወገነን ኣብ ሕጊ ሰፊሮም ብኣግባቡ ዘይተተግበሩ ንክትግበሩ ኣብ ሕጊ ዘይሰፈሩ መሰላት እንተልዮም ድማ ንክሰፍሩ ፣መሓውራትናን መድረግቲ ኣካላትን ትኹረት ገይሮም ንክሰርሑሉ ግንዛበ ንምፍጣር ከምዝስራሕ ገሊፀን።

ኣረጋውያን ኣረጋውያን ኮይኖም ኣይተፈጠሩን ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ንህዝቦምን ዓዶምን ታሪክ ዝሰርሑን ሐዚ ውን ንሓደሽቲ ወለዶ ዘምህሩን ብምዃኖም ክድገፉ ይግባእ ኢለን።

ኣረጋውያን ታሪኽ ንከየመሓልፉ ብፀላእቲ ተቐቲሎም ፣ዕድሚኦም ሙሉእ ዘጥረይዎ ሃፍቲ እውን ዓንዩን ተቓፂሉን፣ጠወርቶም እውን ስኢኖም እዮም።

ስለዝኾነ ማሕበረ ቊጠባዊ ረብሐኦም ከረጋግፅሉ ፣መሰላቶም ከኽብሩሉን ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ውዳበኦም እውን ፈሪሱን ተዳኺሙን ሰለ ዝኾነ ክጠናኸር ይግባእ በቢ ብርኩ ዝተቐመጡ ሕግታት እውን ክኽበሩ ይግባእ ነዚ ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕ ኢና ኢለን ሜጀር ጀኔራል ዘውዱ።

ብ2005 ዓ/ም ዝተመስረተት ማሕበር ኣረጋውያን ትግራይ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 15 ሽሕ ኣባላት ኣለውዋ።

ብኪሮስ_መሓሪ