Home ዓለምለኻዊ ዜና ኣብ መራኸብቲ ራዲዮታትን ሞባይላትን ብዝተፃወደ መጥቃዕቲ 12 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 2800 ድማ...

ኣብ መራኸብቲ ራዲዮታትን ሞባይላትን ብዝተፃወደ መጥቃዕቲ 12 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 2800 ድማ ጉድኣት በፂሕዎም።

75

መቐለ፥ 8 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብእስራኤል ከም ዝተዋደደ ዝንገረሉ ኣባላትን ሓለፍቲን ሒዝቦላሕ ኣብ ዝጥቀሙለን መራኸብቲ ዝተፃወደ መጥቃዕቲ ልዕሊ 12 ኣባላት እንትሞቱ ንኣምባሳደር ኢራን ሓዊሱ ልዕሊ 2800 ድማ ግዳይ መጥቃዕቲ ምዃኖም ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

ኣብ መራኸብቲ ራዲዮን ካልኦትን ብዝተፃወዱ መጥቃዕቲታት ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፅሖ ዝተኣመነ ሒዝቦላህ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓፀፋዊ መጥቃዕቲ ከምዝኸፍት ተሓኒዩ፡፡

ብእስራኤል ከም ዝተሃንደሰ ዝንገረሉ ኣብ ዕጡቓት ሒዝቦላህ ዘነፃፀረ ማጥቃዕቲ፤ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱ ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ምህላዎም ፀብፃብ ሲ ኤን ኤን የማላኽት፡፡

ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝተገበረለን መራኸብቲ ራዲዮታትን ሞባይላትን፤ ኣባላትን ላዕለዎት ኣዘዝቲን ሒዝቦላህ ዝጥቀሙለን ውፅኢት ፔጀርስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ምዃነን ኣብ ኢንስቲትዩት ሚድልቡረይ ፕሮፌሰር ኣቨነር ኮሆን ገሊፆም።

ንዋና ከተማ ለባኖስ በይሩት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር ንሓደ ሰዓት ሙሉእ መራኸብቲ ፔጀር ዝተጠቐሙ ኣባላት ሒዝቦላሕ ግዳይ ምፍንጃርን ሓደጋን ክኾኑ ምፅነሖም ዘረጋገፀ ቢቢሲ፤ ኣብ ውሽጢ ዕጡቓት ሒዝቦላሕ ምድንጋፅን ራዕዲን ፈጢሩ ምህላዉ ይጠቅስ፡፡

እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ “ኣብ ውሽጢና ዝተተኸለ ሰይፊ” ክብል ዝገለፀ ሒዝቦላሕ፤ ሕድሕድ ኣባልን መሪሕነትን ነንባዕሎም ከይራኸቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ ሕዚ እውን ብስግኣት ክፅመዱ ዝገበረ ብምኻኑ ኣብ ልዕሊ አስራኤል ከቢድ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተሓኒዩ ኣሎ፡፡

ብመተግበሪ መራኸቢ ኣብ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግዳይ ሞትን ሞቑሰልቲን ምዃኖም ንትካላት ጥዕና ሊባኖስ ብምጥቃስ ሚዲያታት ዓለም ይፅብፅባ ኣለዋ፡፡

#ገ/ሄር ሃይሉ