Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ መናሃርያታት ስርዓት ሒዙ ክሰርሕ ንዝደሊ ሰብ ካብ ፀወታ ወፃኢ ዝገብር ኩነታት...

ኣብ መናሃርያታት ስርዓት ሒዙ ክሰርሕ ንዝደሊ ሰብ ካብ ፀወታ ወፃኢ ዝገብር ኩነታት ንምትራፍ ክሰርሕ እየ ኢሉ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸቢን ትግራይ።

207

መቐለ፥ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) –

ኣብ መናሃርያታት ስርዓት ሒዙ ክሰርሕ ንዝደሊ ሰብ ካብ ፀወታ ወፃኢ ዝገብርሩ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝሰርሑ ድማ ጥጡሕ ባይታ ናይ ምፍጣር ተርእዮታት ከም ዘለዉ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸቢን ትግራይ ኣረጋጊፁ።

ኣወሃህባ ግልጋሎት መጓዓዝያ ብዙሓት ፀገማት ከም ዝነበሩዎን ሕዚ ብዝተወሰነ መልክዑ ከም ዝተመሓየሸን ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸቢን ኣይተ ታደለ መንግስቱ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ነዚ ዝገለፁ፣ ህዝቢ ብዝግባእ ዝግልገለሉ ምችው ግልጋሎት መጓዓዝያ ንምፍጣር ዓሊሙ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዩ።

ኣብ ክፍሊት ታሪፍ ዓቢይ ክፍተት ከም ዝነበረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ ሕዚ ብዝተወሰ መልክዑ ከም ዝተመሓየሸ ሓቢሮም።

ምምላስ ተመዛበልቲ ቀዳምነት ዝህብዎ ጕዳይ ምዃኑን ብዝምልከቶ ኣካል ኣንፈት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ግልጋሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ድልዋት ከም ዝኾኑን ድማ ሓቢሮም።

“ገለ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ምኽባር ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ውልቃዊ ጥቕሞም እዮም ዘድህቡ። ደረጃአን ዘይሓለዋ ተሽከርከርቲ ናብ ግልጋሎት መጓዓዝያ ክዋፈራ የብለንን። ኣብ ኣሰራርሓ ዕደላ ነዳዲ ፀገማት ኣለዉ።” ዝብሉ ሓሳባት ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሓሳባት እዮም።

ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑን ካብቲ ልሙድ ኣከያይዳ ወፂእኻ ዲጂታል መስርሕ ንምእትታው ፃዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉን ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸቢን ኣይተ ታደለ መንግስቱ ሓቢሮም።

#ቶማስ_ሓዱሽ