Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ኣሊኻ ድልየትን ባህግን...

“ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ኣሊኻ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና ” ኢሎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን

60

መቐለ፥ 20 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

“ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ክሰፍሕ ዝገብር ዘሎ ኣንፃር ውዕሊ ፕሪቶሪያን ኣንፃር ሰላምን ዝኾነ ሓይሊ እዩ ኢሎም” ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ።

ብምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መድረኽ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን “ውድብ ኣብ መድሓንን ህልውና ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን” መሰረት ገይሩ ኣብ ምዝታይ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ” ሕጋዊ ሰውነት ውድብ ህወሓት ከይምለስ ይኹን እቲ ሕዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ከይቕፅል ዕንቅፋት ዝኾውን ዘሎ እቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ሓይሊ እዩ” ኢሎም።

“ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ሓይሊ ጉባኤ ኣካይደ ብዝብል ጉልባብ ንዓርሱ ከም ሕጋዊ ቆፂሩ ታሕተዎት ኣብያተ ምኽሪ ክልል ትግራይ እናኣከበ ይርከብ ” ኢሎም።

“እቲ ሓይሊ ዘካይዶ ዘሎ ፀለመን ጠቐነን ካብ ዕላማታትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝወፀ ከምዝኾነን እዙይ ስርዓት ክሕዝ ከምዘለዎን ምግላፆም” ተሓቢሩ።

” እዙይ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ድማ ኣብ ስልጣን ንምቅፃልን ተሓታቲ ንዘይምዃንን እዩ” ኢሎም ።

“ስለዝኾነ እዙይ ብሰላማዊን ሕጋውን መንገዲ ኣሊኻ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ክነረጋግፅ ኣለና” ኢሎም።

” እቲ ሕዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንክቅፅል፣ ህዝብን ውድብን ክድሕንን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክትግበርን ግደ መሪሒነት ዕዙዝ ብምዃኑ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን።

እቲ መድረኽ ኣብ ናይ ሎምዓንቲ ዋዕልኡ ኣብ ምድሓን ውድብን መፃኢ ኣንፈት ትግራይን ትኹረት ገይሩ ኣብ ዝቐረበ ሰነድ ይዝቲ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

“ኣብ ናይ ፅባሕ ፕሮግራም ድማ መንግስታዊ ዕማማት መሰረት ዝገበረ ዘተ ክቕፅሉ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር” ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ በቲ ሓደ ወገን ዝተኻየደ ጉባኤ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ኣብቲ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ምባሎም ይዝከር።

#ይብራህ_እምባየ