መቐለ፥8 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ውዕሊ ፕሪቶርያ ሙሉእ ኸይዲ ኣፈፃፅማ ተኸቲሉ እንድሕር ዘይተተግቢሩ፣ ኣብ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ፅምበራን ተጋደልቲ (DDR) ጥራሕ ፀቕጢ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ከም ዝኾነ ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
እቶም ፕረዚደንት ነዚ ዝበሉ ብኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ላሜክ ዝተመርሐ ጕጅለ ልኡኽ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዛዕባታት ምጥንኻር ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ከምኡ ድማ ኣብ ትግራይ ብፈረንሳይ ዝፍፀሙ ፕሮጀክትታት ዘለዎም ምዕባለ መሰረት ዝገበረ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን እዩ።



ጕዳይ ተመዛበልቲ ዝምልከት እንትገልፁ ከዓ ናብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፀለምቲን ዞባ ደቡብ ትግራይ ራያን ዝተገበረ ምምላስ ተመዛበልቲ እኳ እንተሃለወ እቲ ዝዓበየ ቑፅሪ ተመዛበልቲ ዘለዎ ምዕራብ ትግራይ ግና ገና እዩ ኢሎም።
ብመሰረት እቲ ውዕል ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፅኡ ምግባር ናይ ፌዴራል መንግስቲ ሓላፍነት እኳ እንተኾነ ክሳዕ ሕዚ ግና ዝወፅአ ሓይሊ ከምዘየለ ኣብቲ ዘተ ገሊፆም።
መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ሕዚ እውን ማሕበራዊ ግልጋሎት ንምጥንኻር ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዘድሊ ሓቢሮም።