Home ዓለምለኻዊ ዜና “ኣብ ሱዳን ዘሎ ኵነታት ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዝን ብጣዕሚ እዩ ኣሕዚኑኒ”፦ ዋና ዳይሬክተር...

“ኣብ ሱዳን ዘሎ ኵነታት ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዝን ብጣዕሚ እዩ ኣሕዚኑኒ”፦ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

91

መቐለ፥ 4 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) –

ኣብ ሱዳን ዑደት ስራሕ ዘካይዱ ዘለዉ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሱዳን ካልአይቲ ገዛይ እያ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘሎ ቅልውላው ግቡእ ትዅረት ብዘይምሃቡ እውን ሓዚነ እየ ኢሎም።

ኣብ ዶብ ሱዳን ንህፃናት ብትካል ጥዕና ዓለም ዝወሃብ ሓገዝ ሕክምና ከይዶም ከም ዝተዓዘቡን ብዘጋጥም ዘሎ በዝሒ ሞት ህፃናት ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዘሎ መረዳእታ፣ ዂናት ሱዳን ክሳብ ሕዚ እንተወሓደ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ፤ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣመዛቢሉ፤ ካልኦት 2 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ኣገዲዱ። እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውሽጣዊ ምምዝባል ሰባት እዩ ኢሎም።

መጠን ናይቲ ህፁፅ ሕክምና ዘድልዮ ኵነታት ዘሰንብድ እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ዂናት ንምንካይን ነቲ ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይ ንምምላስን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እኹል ከም ዘይኮነ ሓቢሮም።

ዓለም ተበራቢራ፣ ሱዳን ካብቲ ትነብሮ ዘላ ዝኸፍአ ዅነታት ንክትወፅእ ክትሕግዛ ፀዊዖም።

#ብህሊና_ኣርኣያ