Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ስርሒት ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዕዙዝ ግደ ዝተፃወተ ነባር ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ ብምኽንያት...

ኣብ ስርሒት ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዕዙዝ ግደ ዝተፃወተ ነባር ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ ብምኽንያት ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

225

መቐለ፥ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) –

ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ 24 ሓምለ 1951 ዓ.ም ካብ ኣቡኡ ኣይተ ተሻለ ገብረስላሰን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ደስታ ሃይሉን ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዓብዩ።

ብህወሓት ናብ ዝምራሕ ዕጥቃዊ ቓልሲ ተፀንቢሩ ኣብ ከተማ መቐለ ስርዒት ኮይኑ እናተንቀሳቐሰ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮ ግዳይ ቀይሕ ራዕዲ ተባሂሎም ካብ ዝነበሩ ሓደ እንትኾን ፣ ተኣሲርሉ ካብ ዝነበረ ድሕሪ ምምላጥ ናብ ሜዳ ከምዝወረደ ታሪኽ እቲ ተጋዳላይ ይሕብር።

1978 ዓ.ም ንልዕሊ 1ሽሕን 300 እሱራት ውህኒ ቤት መቐለ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ልእኽቶ ካብ ዝተውሃቦም ሓደ ኮይኑ ነቲ መስተንክራዊ ስርሒት እውን ዕዙዝ ግደ ዘወፈየ ጅግና ነይሩ ኣማረ ተሻለ።

ካብ ኮሚሳር ክብሪት ክሳብ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ብሙኻን ትግራይ ንህዝቡ ብቕንዕናን ተኣማንነትን ዘገልገለ ኮይኑ ዳሓር ድማ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ ተዋፊሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም ሕክምናዊ ኽትትል እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ዓሪፉ ኣሎ።

ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ ኣቦ 5 ደቂ ተባዕትዮን ኽልተ ደቂ ኣንስትዮን ኮይኑ ስነ-ስርዓት ቐብሩ ሎሚ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ገዳም መድሓኒኣለም መቐለ ክፍፀም እዩ።

ቴሌቭዥን ትግራይ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰቡ፣ ፈተውቱን መቓልስቱን ፅንዓት ይምነ።