መቐለ፥መስከረም 12/2017ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)
ብምኽንያት ብዓል መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝፀንሕ ቅድድም ብሽክሌታ ሎሚ ዕለተ ሰንበት ተዛዚሙ ። ኣብዚ ብብርክት ዝበለ ደጋፊ ተዓጂቡ ዝተኻየደ መዕፀዊ ወድድር ብማዉንቴን ደቂ ተባዕትዮ ናሆም መዝገቦን ኣዶናይ ፊልሞንን ካብ ራይት ማይ ዓድግራት ተመስገን ተስፍይ ፕሮጀክት ሃ/መለኮት ተዓዊቶም።
ብጋንታ ራይት ማይ ዓድግራት፣ ፕሮጀክት ሃ/መለኮትን ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓድግራት ብቅደም ስዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ረኺበን።ብሽክሌተኛታት ብሰዓት 38.23 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዞም።
45 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ቀፂሉ ዝተሳለጠ ኮይኑ ተደጋገምቲ ምቁርራፅን ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተርአየሉን ወድድር ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ብሽክሌተኛታት መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ፅጌ ካሕሳይ ፣ራሄል ታመነ ን ምዕራፍ ገሄርን ካብ ቀደማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምእታዉ ተዓዊተን። ተቀዳደምቲ ብስዓት 34.8 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዘን እየን።
ብሓፈሻ ብዉልቀ ምዕራፍ ገ/ሄር ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ እንትዕወት ብሽክሌተኛታት ትራንስ ኢትዮጵያ ሄለን ፍስሃን ቤተልሄም ዳኒኤልን ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ረኺበን።
ብጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ተሸላሚት ዋንጫ እንትኸዉን ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ 70 እንደርታን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ረኺበን።
ቀፂሉ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝነበሮ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዉድድር ሻምፒዮን ዘይፍለጠሉን ወድድር ኮርሶ ደቂ ተባዕትዮ 60 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዉድድር ተሳሊጡ።
ኣማኑኤል ተክለሃይማኖት ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ተመስገን እንተሃቡ ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ መስፍኔ ሰለሙን ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ካብ ቀደማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ኣትዮም። ብጋንታ ስራሕቲ ንግዲ ጉና እንትዕወት ትራንስ ኢትዮጵያን ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን። ተቀዳደምቲ ብስዓት 40.2 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዞም።
ብወልቀ ብሓፈሻ በረከት ደሳለኝ ካብ መቐለ 70 እንደርታ ዳኒኤል ኣየነው ካብ ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ መስፍኔ ሰለሙን ካብ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ወልዋሎ ተዓዊቶም ።
ብጋንታ ፋብሪካ ኣዲስ መድሓኒት ወልዋሎ ሻምፕዮን ብምዃን ተሸላሚት ዋንጫ ኮይና። ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ 70 እንደርታን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ረኺበን።
ንኮኾባት ኣሰልጠንትን ዳያኑን ሽልማት ተበርኪቱ እዩ።
#ሓበን ካሕሳይ