መቐለ፥ 8 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መሰረተ ልምዓት ዘፈር ሆቴላትን ኣብያተ ብልዕን ብምስፍሕፋሕ ትኪ ኣልባ ፍልፍል እቶት ቱሪዝም ንምብራኽ ንዓምም ኣለና ኢሎም ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ከተማ ዓዲግራት
እቶም ሰብ ሃፍቲ ነዚ ዝገለፁ ቴሌቭዥን ትግራይ በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ንምኽባር ዝግበር ዘሎ ቅድመ ምድላው ምስ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝገበሮ ፃኒሒት እዩ።
ተወካሊ ኢንተርናሽናል ሆቴል ከንኣን በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ንምኽባርን ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝመፁ ኣጋይሽ ንምቕባልን ንዓማዊል ዝምጥን መስተንግዶ ከም ዝወገኑ ገሊፆም።
ትካሎም ብቐዋምነት ን55 ብጊዝያዊ ን15 ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢሮም ዓውዲ መስሕብ ቱሪዝም ከተማ ዓዲግራት ንምስፍሕፋሕ ይሰርሑ ከም ዘለው ተዛሪቦም።
ተወካሊ ሆቴል ደብረ ዳሞ መንእሰይ ዳኒኤል ገ/ሄር ብወገኑ ንልዕሊ 40 ሰራሕተኛ ዕድል ስራሕ ወገናት ፈጢሮም በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዝሐሸ ግልጋሎት ብምሃብ ቁጠባዊ ረብሐኦም ንምብራኽ ኩለ መዳያዊ ምድላዋት ከም ዝወገኑ ተዛሪቡ።
እተን ሆቴላት ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት እንትኽበሩ ዝኾነ ይኹን ወሰክ ከም ዘይገብሩን ፣ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝመፁ ኣጋይሽ ግቡእ መስተንግዶ ብምሃብ ከም ዝስንይዎም ዝገለፁ ድማ ዓማዊል እተን ሆቴላት እዮም።
ኣብ ውሱናት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት እንትነኽብር ዘይኣግባብ ወሰኽ ክፍሊት ይረአ እዩ ዝበሉ እቶም ወነንቲ ሆቴላት ንጊዜያዊ ረብሓ ክንብል ካብ ወሰኽ ክፍሊት ክንቁጠብ ይግባእ ኢሎም።
#መርሃዊ ተስፋይ