Home ዜና ኣብ ትግራይ ሰኣን መስርሒን መሸጥን ቦታ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ብር ኣብ ባንኪ...

ኣብ ትግራይ ሰኣን መስርሒን መሸጥን ቦታ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ብር ኣብ ባንኪ ተኸዚኑ ብዝቕባበ ዋጋ ይባኽን ኣሎ – መፅናዕቲ

609

መቐለ፥ 18 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ደኣንት ንሕውየትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ብዝብል ብቢሮ ቴክኒክ፣ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ዝተዳለወ ሃገርለኸ ዋዕላ ተሳሊጡ።

ብሰንኪ መንግስቲ መስርሕን መሸጥን ቦታ ክህብ ዘይምኽኣሉ ሰብዓ ማሕበራት ዝዓቖሮኦ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ብር ኣብ ባንኪ ተኸዚኑ ብዝቕባበ ዋጋ ይባኽን ምህላው ኣብቲ ዋዕላ መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ሓላፊ ቦርድ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትር ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ትግራይ ዶክተር መብራህቱ መለስ ተዛሪቦም።

ካብቲ ሐዚ ዘለናዮ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከቢድ ስእነት ስራሕን ንምንጋፍ ድማ መንግስቲ ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ቴክኖሎጂ ዘማእኸለ ኣሰራርሓ ክኽተል ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ድሕሪ ኲናት ዝሓወያሉን ዳግመ ህንፀት ዘረጋገፃሉን መንገዲ ደኣንት ከምዝኾነ ኣብቲ መበገሲ ፅሑፍ ዝገለፁ እንትኾን፤ ኣብ ትግራይ ድማ ዝዕቆር ገንዘብ ናብ ረብሓ ኣብ ምውዓልን ኣብ ዘፈር ደኣንትን ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ግድን ምዃኑን ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ስራሕ ስእነት ንምፍታሕን ክእለት ዝመርሖ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምውዳድ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ቴክኒክ፣ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ገሊፁ።

መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ቴክኖሎጂ ብምትእትታውን ሃፍቲ ክውንኑሉ ዝኽእሉ ዕድል ኣብ ምፍጣር ትኹረት ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝተረኸብሉ ዋዕላ መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣይተ ገብረመድህን ፤ ቅድሚ ኲናት ትግራይ መጠን ስእነት ስራሕ ትሕቲ ዒስራ ሚኢታዊ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ስእነት ስራሕ ናብ 81 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ የብርሁ። ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ዋጋ ዝኸፈለ መንእሰይ ንስደትን ሞትን ይቃላዕ ምህላው ይገልፁ።

ቅድሚ ኲናት ኣብ ዘፈር ደኣንት ንዝተዋፈሩ ብዓመት ሓደ ሚኢቲ ሄክታር መሬት መስርሕን መሸጥን ቦታ ይወሃብ ዝነበረ እንትኾን ብዓመት ልዕሊ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ልቓሕ ነቲ ዘፈር ይወሃብ ምንባሩ ኣብቲ ዘቕረብዎ መበገሲ ፅሑፍ ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ዕንወትን ሰብኣዊ ህልቂትን ብዝግባእ ናብ ስራሕ ከምዘይኣተወን ስእነት ስራሕን ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከምዝዛየደ የብርሁ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝፍታሕን ዝሓውን ድማ ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ብምዃኑ ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ይስረሐሉ ከምዘሎን ሓቢሮም።

መንግስቲ ድማ ነቲ ዘፈር ልዑል ትኹረት ሂቡ ኣብ ምምችቻው መስርሕን መሸጥን ቦታን ልቓሕን ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዘጋጠሙ ውድቀታት ሓደ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ዘይምፍጣር እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ሐዚ ዘሎ ጅማሮታት ንስራሕ ዕድል መናእሰይ በሪ ዝኸፍትን ዝተባባዕን ብምዃኑ ብቐፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ ዝተረኸቡ ሚንስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ፌደራል ኣይተ ሰሎሞን ሶካ ኣብ ሓደሽቲ ሓሳባትን ስራሕትን ትኹረት ገይሮም ንዝሰርሑ ኣካላት እቲ ሚኒስትር ብዘለዎ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም።

ምስ ልምዓት ባንክን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ሓቢርካ ንምስራሕን ዕድል ልቓሕ ንምምችቻውን ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኢሎም።

“ደኣንት ንሕውየትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ” ብዝብል ክእለት ዝመርሖ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ሃገር-ለኸ ኤግዚብሽንን ሲምፖዝየምን ካብ 18 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።

#መለስ_ኣለማት