Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኒሞኒያ ቍፅሪ ዝሞቱ ህፃናት ይውስኽ ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኒሞኒያ ቍፅሪ ዝሞቱ ህፃናት ይውስኽ ኣሎ፡፡

228

መቐለ፥ 14 ታሕሳስ 2017 (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ሕማም ኒሞኒያ ብደረጃ ዓለም ካብቶም ቀተልቲ ዝበሃሉ 10 ሕማማት ሓደ እዩ፡፡ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ብ2019 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብታ ሃገር ሕማም ኒሞኒያ ንሞት ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት እቲ ቐንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣመላኺቱ ነይሩ፡፡

ንምዃኑ ሕማም ኒሞኒያ እንታይ እዩ?

ኒሞኒያ ንሳንባ ዘጥቅዕ ቕፅበታዊ ረኽሲ ስርዓት ምትንፋስ ኮይኑ፣ ኣብ ኣሊቮሊ ዝበሃል ክፋል ሳንባ ቍጥዐ ብምፍጣርን ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ሳንባ ወይ ከዓ ሽፋን ሳንባ መግልን ፈሳስን ክመልእ ብምግባርን ሕፅረት ምትንፋስን ቃንዛ ኣፍ ልብን ዘስዕብ ከቢድ ሕማም ምዃኑ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል 11 ለካቲት ላዕለወይቲ ክኢላ ሕክምናን ክንክንን ህፃናት ወ/ሮ ፍረሂወት ገ/ሂወት ምስ ራድዮ ትግራይ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ኣብሪሀን፡፡

ጠንቂ እዚ ሕማም እንትገልፃ ድማ “ሕማም ዘምፅኡ ሓደ ሓደ ተሃዋስያን ከም ባክተርያ፣ ቫይረስ፣ ፈንገስን ካልኦትን ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ኣካልና ክኣትዉ ከለዉ ብዝፈጥሩዎ ረኽሲ ዝመፅእ ሕማም እዩ” ይብላ።

ዝርግሐ እቲ ሕማም እንታይ ይመስል?

ኒሞኒያ ብደረጃ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝዕድሚኦም ህፃናት እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሕማምን ሞትን እዩ፡፡

ብመሰረት ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ሕማም ኒሞኒያ ጠንቂ ሞት 15% ትሕቲ 5ተ ዓመት ህፃናት እዩ፡፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 850,000 ህፃናት ብደረጃ ዓለም ከም ዝቐትል ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ የመላኽት፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም ኒሞኒያ በብዓመቱ 36,999 ህፃናት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 3 ሽሕ ህፃናት ድማ በብወርሑ ከም ዝሞቱን ወ/ሮ ፍረሂወት ገ/ሂወት ይገልፃ።

ክልል ትግራይ፣ ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ኣብ ምቕናስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቐፂላ ኣብ መበል 2ይ ደረጃ ትስራዕ ከም ዝነበረት ወ/ሮ ፍረሂወት የረድኣ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተወልዐ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፣ ትካላት ጥዕና መሰረታዊ ዝበሃል ዕንወት ስለ ዘጋጠመን፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቍፅሪ ብኒሞኒያ ዝሞቱ ህፃናት ይውስኽ ከም ዘሎ ይዛረባ።

ንሕማም ኒሞኒያ ዘቃልዑ ነገራት እንታይ እዮም?

ንሕማም ኒሞኒያ ዘቃልዑ ነገራት ብፍላይ ኣብ ህፃናት ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ፣ ትሑት ክብደት ኣብ ሕርሲ፣ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ህይወት ህፃናት ጡብ ኣደ ጥራሕ ክጠብዉ ዘይምግባር፣ ኢሉ እውን ብከላ ከባቢ ኣየርን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራትን መንቀሊ ሕማም ኒሞኒያ ምዃኖም እየን ዘረድኣ፡፡

እቲ ቐንዲ ጠንቂ ዝኾነ ድማ ይብላ “ሕማም ኒሞኒያ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኣየር ክመሓላለፍ ይኽእል። ንኣብነት፦ ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ (IDP) እኹል ዝውውር ኣየር ስለ ዘይህሉ ንሕማም ኒሞኒያ ተጋለፅቲ እዮም” ይብላ፡፡

ምልክታት ሕማም ኒሞኒያ

ላዕለወይቲ ክኢላ ሕክምናን ክንክንን ህፃናት ወ/ሮ ፍረሂወት ገ/ሂወት ብዛዕባ ቀንዲ ምልክታት ኒሞኒያ እንትገልፃ ድማ፦

  • ሰዓል
  • ፀገም ሕፅረት ምስትንፋስ
  • ብቕልጡፍ ምትንፋስ
  • ልዑል መጠን ረስኒ ሰብነት
  • ምስርጓድን ታሕተዋይ ክፋል ኣፍ ልቢን ንክትትንፍስ ምፅጋምን
  • ተምላስን ምቕናስ ድሌት ጡብ ኣደን ከም ዘጠቓልል ይገልፃ፡፡

ስለዚ ከምዚኦም ዝበሉ ዓይነታት ምልክት ኣብ ህፃናት እንትረአይ፣ ሕብረተ ሰብ ብቕልጡፍ ኣብ ቐረብኡ ናብ ዝርከብ ጣቢያ ጥዕና ክኸድ ከም ዘለዎ እየን ዝምዕዳ፡፡

ከመይ ክንከላኸሎ ንኽእል?

  • ህፃናት ብእዋኑ ክኽተቡ ምግባር፣
  • ምስትኽኻል ስርዓተ ኣመጋግባ ህፃናት፣
  • ናይ መጀመርታ 6ተ ኣዋርሕ ዕድመ ጡብ ኣዶ ምጥባውን እኹል ኣመጋግባ ክረኽቡ ምግባርን
  • ህፃናት ልዑል ፃዕቒ ሰብ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ክነብሩ ዘይምግባርን ኣብ ሜላታት ምክልኻል ሕማም ኒሞኒያ ዝካትቱ እዮም።

ካሊእ ብዋናነት ክግበር ዘለዎ ድማ፣ ኣብ ገዛ ትኪ ዘለዎም ነገራት ዘይምውላዕ። ንኣብነት፦ ዕጣን፣ ፈሓም/ካርቦን፣ ሽጋራ፣ ዑድን ካልኦትን ኣብ ነቃፅለሉ እዋን ድማ ገዛ ዘይምዕፃውን መስኮት ክኽፈት ምግባርን ኣድላዪ እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትክታት ናብ ሳንባ ህፃናት ብምእታው ረኽሲ ክፈጥሩ ስለ ዝኽእሉ ክንጥንቀቐሎም ከም ዘለና እየን ዝምዕዳ፡፡

#ኪሮስ_ገብረስላሴ