Home ቢዝነስ ኣብ ትግራይ ብኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ምኽፋል ግብሪ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ...

ኣብ ትግራይ ብኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ምኽፋል ግብሪ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ኢሎም ነጋዶ።

38

መቐለ፥ 20 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ትካላትን ስርዓት ንግድን ትግራይ ብኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ምኽፋል ግብሪ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ኢሎም ነጋዶ ትግራይ።

ሚኒስተር እቶት ጨንፈር መቐለ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 4 ቢልዮን ብር ዘእተወ እንትኾን ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር እቶት ንምእካብ ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ።

90 ሚኢታዊ እዚ እቶት ካብ 20 ከፈልቲ ግብሪ ጥራሕ ዝተኣከበ ምዃኑ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ ሚኒሰተር እቶት ጨንፈር መቐለ ኣይተ ተኸላይ ኣብርሃ ካብዚ ዝሐሸ እቶት ንምእካብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምትራፍን ምችው ስርዓትን ኣሰራርሓን ግብሪ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ቴክኖሎጅታት ምጥቃምን ወሳንቲ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብሰንኪ ኩናት ኣብ ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ስረዛ ዕዳ፣ ግብሪ፣እፎይታን ካልኦት ንነጋዶ ዝሕግዙ ኣማራፅታትን ይገበሩልና ። ባንክታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ ዘይሰራሕናሉን ናብ ኪሳራ ናይ ዝኣተናሉን እዋን ልቓሕን ወለድን ክፈሉ ይብሉና ኣለው እዚ ዘለናሉ ኩነታት ዘገናዘበ ኣይኮን ብምባል ምምሕያሽ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ሚኒስተር እቶት ጨንፈር መቐለ ዝከኣሎ መፍትሕታት እናቐመጠ ምስ ሚኒስተር ፌደራል ምዝርራብ ዘድልዮም ድማ እናተዘራረበ ክፈትሕ እዩ ኢሎም ኣይተ ተኽላይ።

ብብርኪ ሃገር ብኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ዘፅንዕ ግብረ -ሓይሊ ፈላማይ ፀብፃቡ ኣቕሪቡ እዩ በዚ ዝመፁ መፍትሕታት ዝሐሹ ክኾኑ እዮም ዝበሉ ድማ ኣብ ሚኒስተር እቶት ዳይሬክተር ምፍላጥ ግብሪ ኣይተ ያሬድ ፈቀደ እዮም ።

ሚኒስተር እቶት ጨንፈር መቐለ ነጋዶ ከፈልቲ ግብሪ፣ ሰራሕተኛታት እቲ ጨንፈር ቤት ዕዮን ካብ ፌደራል ሚኒስተር እቶት ዝመፁ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ በጀት ዓመትን ትልሚ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ምን ዘትዩ።

#ብኪሮስ_መሓሪ