ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናፁ ሚድያታት ብነፃነት ክሰርሓ ከም ዘይከኣላ ምሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ገሊፆም።
እዙይ ዝተባህለ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ፣ ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ እንታይ ይመስል ብዝብል ዋዕላ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዩ።
ኣብቲ ዋዕላ “ባይታ ሚድያ ትግራይ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚንዩኬሽንን ማቴዎስ ገብረህይወት ሚድያ ነፃነት፣ ጥንኩር ኤዲቶሪያል ፖሊሲን ኢኮኖሚን ዘይምህላዉ ንድኽመት ሚድያታት ትግራይ ምኽንያት እዮም ኢሎም።

ጀኖሳድዳዊ ኲናት ትግራይ፣ ልክዕ ከም ህዝቢ ትግራይ ንሚድያታት ትግራይ ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑለን እዩ ዝበሉ መምህር ማቴዎስ እዙይ ድማ ኣብ ዓቕሚ ጋዜጠኛታትን ትሕዝቶ ቀረፃን ምድኻም ዓብዪ ተራ ከም ዝነበሮ ገሊፆም።
ስለ ዝኾነ ሚድያታት ትግራይ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ጋዜጠኛታት ትዅረት ዝገብር ሓዱሽ ስነ ሓሳብ ከተኣታትዋ ኣለወን ኢሎም።
“ምርግጋፅ ነፃነት ሚድያ ትግራይ” ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ገብሩ ካሕሳይ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ትካላውነት ብዘይምህናፁ ሚድያታት ትግራይ ነፃ ኮይነን ክሰርሓ ኣይከኣላን ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ትካላውነት ዘይምህናፁ ሚድያታት ብነፃነት ከይፅብፅባ ይገብረን ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ገብሩ ሚድያ ነፃነት ክህሉ ክስራሕ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ነፃነት ሚድያ ብዘይምህላዉ ድማ ብዝቐርቡ ፀብፃባት ኩሉ ማሕበረ ሰብ ከዕግብ ከም ዘይከኣለ ገሊፆም።
እተን ሚድያታት ኣብ ዕርቅን ሕውየትን ትዅረት ገይረን ክሰርሓ ህንፀት ተረኽን ዕላማን ክግበርን ረብሓ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ገይረን ክፅብፅባ ከም ዘለወን ድማ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሓቢሮም።




ነቲ ዋዕላ ኣመልኪቶም መጠቓለሊ ሓሳብ ዝሃቡ ምክትል ፕረዚደንትን ካቢኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሚድያታት ትግራይ ብዝተኽኣለ መጠን ብነፃነት ስርሐን ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ኣብሪሆም።
ሚድያ ይኹን ፖለቲካ ትግራይ ሪፎርም ብምግባር እዩ ክስተኻኸል ዝኽእል ነዙይ እውን እዩ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኢሎም።
ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ሕማቕ ረግረግ ኣትዩ ኣሎ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ሪፎርም ካብዚ ረግረግ ዘውፅእ እዩ ኢሎም።
ሚድያታት ትግራይ ድማ ዘሎ ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምትግባር ልዑል ግደ ከምዘለወን ገሊፆም።
#ይብራህ_እምባየ