Home ዜና ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ከባቢ ዝግበር ትኹረት ትሑት እዩ፦ ተሳተፍቲ ዋዕላ

ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ከባቢ ዝግበር ትኹረት ትሑት እዩ፦ ተሳተፍቲ ዋዕላ

370

መቐለ፥ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ትግራይ ብመንግስትን ኣብያተ ዕዮን ንሓለዋ ከባቢ ዝግበር ትኹረት ትሑት ብምዃኑ ህዝቢ ግዳይ ብብኽለት ከባቢ ዝመፁ ሓደጋታት ይኸውን ኣሎ ኢሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ሓለዋ ከባቢ።

ሰብ ሃፍቲ፣ ኣመራርሓ ፋብሪካታት ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ኣብያተ ዕዮን ሰብ ሞያ ዩኒቨርስትታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዋዕላ ሓለዋ ከባቢ ዝተሳተፍ ኣካላት ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ከባቢ ካብ ዝምደብ በጀት ጀሚሩ ዝወሃቦ ትኹረት ዝነኣሰ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ነዚ ዝገብሮ ጠመተ ኣዝዩ ትሑት እዩ፤ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ እውን ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝድለ ምንቅስቓስ እናገበራ ኣይኮናን ኢሎም እቶም ተሳተፍቲ።

መንግስቲ ተመኵሮን ቴክኖሎጅን ካልኦት ሃገራት ብምትእትታው ድሕንነት ከባቢ ዝሕሉ ልምዓት ኢንዳስትሪ ንምዕባይ ብትኹረት ክሰርሕ ከም ዝግባእ እውን ገሊፆም።

ብበዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ነባሪ ኣየርን
ዝተገበረ ናይ 10 ኢንዳስትሪታት ዳህሳስ ኣብ ዝቐረበሉ መድረኽ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው
ተረፈ ምህርቲ ናብ ኢነርጂ እናቐየረ ካብ ብኽለት ከባቢ ተኸላኺሉ በቢ መዓልቱ ናይ 1005 ሊትሮ ነዳዲ ከድሕን ምኽኣሉ ብፅቡቕ ተመኩሮ ቀሪቡ።

ፋብሪካ ኣልኮል ደሰታ ቴክኖሎጂ ብምግዛእ ካብ ተረፈ ምህርቲ ብባዮ ጋዝ ኢነርጂ ምፍልፋሉን ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ተረፈ ምህርቲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዝገበሮ ፃዕርን እውን ኣብቲ መድረኽ ብኣውንታ ካብ ዝተልዓሉ እዮም።

ረሳሕ ፈሳሲ ገለ ፋብሪካታት ዩኒቨርስቲታት፣ ኣባይትን ካልኦትን ናብ ሩባታት ዝፈሱ ምዃኖም፣ ኣብ ዝተወሰና ከተማታት ንሓለዋ ከባቢ ትኹረት ዘይምግባርን ንብኽለት ከባቢ ዘጋድዱ ብምዃኖም ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ተባሂሉ።

ኢንዳስትሪታት ምስ ከባቢ ዝሳነ መትረፍን ዘላቒ ልምዓት ዘረጋግፅን ኣሰራርሓ ንክኽተላ መንግስቲ ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ክገብር እውን ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ፀዊዖም።

ሓላፊ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ለውጢ ከባቢ አየርን ኣይተ ፀጋይ ገ/ማርያም ካብ ዕንወት ዝተረፉን ዳግም ተሃኒፀን ናብ ምፍራይ ክኣትዋ ዝኽእላን ትካላት ካብ ብኽለት ነፃ ኮይነን መፍረይቲ ንክኾና ተረፈ ምህርቲ ናብ ረብሓ ዘውዕል ሜላ ክባዊ ቁጠባ ክኽተላ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ወዕላ ምስ ኣመራርሓ ኢንዳስትሪታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝታይ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝሐሸ ኣረዳድኣ ንምሓዝ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ብኪሮስ_መሓሪ