Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ...

ኣብ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ከምዝተገብረ ተገሊፁ።

321

መቐለ፥ 03 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) – ኣብ ትግራይ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ከምዝተገብረ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፈፃፅማ መደባት ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ቀፀልቲ ኣንፈታት 2017 ዓ.ምን ኣብ ምግምጋም ይርከብ።

ኣብቲ ገምጋም ዝተረኸቡ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ኣብ ትግራይ ምስ ብዙሕ ሽግራቱ ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ትምህርቲ ክጅምር ምግባሩ ዘሐሸ ለውጢ ከምዘምፀአ ገሊፆም።

ኣብ 2017 ዓ.ም ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝሐሸ ደረጃ ንምምላስ ከም ዝስራሕ ፕሮፌሰር ክንደያ ገሊፆም።

ሓሊፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኣብ 2016 ዓ.ም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ካብ ዝግበኦም 2 ነጥቢ 48 ሚሊዮን ተምሃሮ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ተምሃሮ ጥራሕ እዮም።

እቲ ቁፅሪ በዙይ መጠን ክቕንስ ዝኸኣለ ኣብያተ ትምህርቲ ብተመዛበልቲ ምምለአን፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝወደቓ ትምህርቲ ቤት ምህላወንን ብምኽንያት ዂናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን እዩ ኢሎም።

ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ካብ ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተወሰና ኣብያተ ትምህርቲ ሕድሳት ከም ዝተገበረለን ድማ ገሊፆም።

#ይብራህ_እምባየ