መቐለ፥17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ካብ ድሮ ኲናት ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ውዕሊ ፕሪቶርያን ድሕሪ ፕሪቶርያን ዘሎ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ሰፊሕ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ዝሓተመ ኣብ ፀጥታን ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ዝሰርሕ Home Office ብዝብል ዝፅዋዕ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ፡ ትግራይ ድሕሪ እቲ ውዕሊ ሰላም እውን እንተኾነ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከምዘላ ይፅብፅብ።
ቶኽሲ ጠጠው ኢሉ እቲ ወጥሪ ግን ኣይነፈሰን ይብል ኣብቲ ዘውፅኦ መፅናዕቲ። ብመሰረት እቲ ዝተፈፀመ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን።

ንሙሉእ ዞባ ምዕራብ ሓዊሱ ፣ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይሊ ከምዘለዋ ይሕብር። ብሰንኪ እቲ ኣብ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝተትሓዘ ግዝኣት ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረብቶም ከይምለሱ ስግኣት ድሕንነት ከምዘለዎም የረድእ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ውሽጢ ውድብ ፖሊቲካ ህወሓት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ይገልፅ።
ኣብ ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍፀም ንደሓር እውን እንተኾነ ውሑስ ሰላምን ፍትሕን ክረጋገፅ ከምዘይከኣለ ወሲኹ ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሎ ድኹም ዓቕሚ ኣፈፃምነት ከምዘመላኽት እዩ ገሊፁ። ህዝቢ ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ክብል ይፅብፅብ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበራኸቱ ዝኸዱ ዘለው ገበናት ጭውያ ደቂ ሰባት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዘይሕጋዊ ዕደናን መዓልታዊ ፀገም ፀጥታን ትግራይ ኣብ ከቢድ ህሞት ከምዘላ ዘመላኽቱ ተርእዮታት ምዃኖም ይትንትን እቲ ቤትፅሕፈት።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ሕመቕን ድኹም ተሓታትነትን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ንክቕፅል ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ ይብል ።
ነዚ ድማ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዘይሕጋውያን ዕጡቓትን ከም ምኽንያት ኢሉ እንትፅብፅብ ፤ ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይ፣ ተስፋ ዝረሓቖ ህዝቢ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምኽባር ሕጊ ትሑት ዓቕሚ ከምዘለዎ የረድእ።
ከም ኣብነት ኢሉ ኣብ ዘቐመጦ መረዳእታ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ 482 ሰባት ብጭውያ(ሃንግ) ኣካላዊ መጥቃዕቲ በፂሕዎም ሕክምናዊ ክትትል ክገብሩ ከምዝኸኣሉ ይፅብፅብ። እዚ ድማ ትግራይ ኣብ ከቢድ ብርኪ ሓደጋ ፀጥታ ምህላዋን ገበናት ተበራኺቶም ይቕፅሉ ምህላዎምን ይሕብር።
ሰራዊት ኤርትራ ተቖፃፂርዎ ኣብ ዝርከብ ከባብታት ኢሮብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ይፍፅሙም ካብ ዘሎ ግፍዒ ካብ ፆታዊ መጥቃዕትን ውራ እንስሳን ብተወሳኺ ሬሳ ዝተቐተሉ ሰባት ብስነስርዓት ንምቕባር 530 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሕተቱ እዩ እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ዘረድእ።
ሓይልታት ኣምሓራ ካብ መንጎ ዝተቖፃፀርወን ወረዳታት ኣብ 6 ወረዳታት ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ ተጋሩ ኣብ ገዛእ መረበቶም ብሰንኪ መንነቶም ግፍዒ ከምዝፍፀሞም ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ።
ብሰራዊት ኤርትራ ይኹን ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተዓመፃ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ ሕክምና ምርካበን ከይተረፈ ብተደጋጋሚ ዓመፅ ከምዝፍፀመለን ይፅብፅብ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ሃሰያ ንዝበፅሖ ህዝቢ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ድማ ካልእ ዘይተፈተሐ ቅልውላው ምዃኑ ፀብፂቡ።
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ፀገም ፀጥታ ብተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ከምዝተፀገሙ ይገልፅ። ብወገን ዓፋር ኣቢሎም ንምእታው ድማ ብመዳይ ገንዘባዊ ወፃኢ ከቢድ ምዃኑ ከም ሓደ ምኽንያት የቐምጥ።
እቶም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዘለው ይኹኑ ብሓፈሻ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ እቲ ሓገዝ ከይረኸበ ንሞት ይቓላዕ ምህላው ይፅብፅብ። ምግብን ቀረብ ኣፋውስን ብዘይምርካብ ብመዓልቲ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ ቡዙሕ ምዃኑን ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ምህላውን ኣመላኽቱ።


ዕንወት ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ተወሲኺዎ እቲ ፀገም ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ኣብፂሕዎ ይርከብ ይብል።
ነዚ ኹሉ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ኣብ መንጎ መሪሕነት ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖሊቲካዊ ጎነፅን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ዘይምፍፃሙን ከም ቀንዲ እቲ ጠንቂ ገይሩ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
#መለስ_ኣለማት