መቐለ፥ 29 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ከይተፈንጀሩ ዝፀንሑ ተተኮስቲ ኩለመዳያዊ ጉድኣታት የብፅሑ ኣለው ኢሉ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ICRC።
ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ከይተፈንጀሩ ዝተረፉ ተተኮስቲ ሕ/ሰብ ኣብ ዝነብረሎምን ዝንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት እናተፈንጀሩ ምኽንያት ሞት ሰባት ይኾኑን ኣካላዊ፣ ስነ-ልቦናውን ቁጠባውን ጉኣታት የብፅሑን ስለ ዘለዉ መንግስቲ ብቕልጡፍ ስራሕቲ ምምካን ነተጉትን ተተኮስትን ከካይድ ወሃቢት ቃል ICRC ኣብ ኣፍሪካ ኣልዮና ስይነንኮ ኣተሓሳሲባ።
በቶም ተተኮስቲ ዝበፅሐ መጠን ሓደጋ ንምግማቱ ዝኸብድ ምዃኑ ዝገለፀት እታ ወሃቢት ቃል ኣብ 2023/2024 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥራሕ 400 ግዳያት ኣብ ICRC ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝተገበረሎምን ካብዚኦም እቶም 80 ሚኢታዊ ህፃናት ከምዝኾኑን ኣረዲኣ።
ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ትግራይ ከም ዝነበረት ዝገለፀት ወሃቢት ቃል ICRC ኣልዮና ስይነንኮ ብሓደጋ ነተጉትን ተተኮስትን ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊፀ ኢላ።

ህፃናት ዘይተፈንጀረ ነታጕ እናትፃወቱ ምስ ረኣየ ንኣቶም ንምድሓን ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ እቲ ነታጕ ተፈንጅሩ ሓደ እግሩን ናይ ክልቲኡ ኣእዳው ኣፃብዕትን ዝሰኣነን ክራንች ከይጥቀም ውን ኣፀጊሙሉ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ዘጋጠሞን ወዲ 17 ዓምት ትግራዋይ ከም ዝረኸበት ብምግላፅ ክብደት ኣብ ህዝቢ ትግራይ የጋጥም ዘሎ ሓደጋ ተረድእ ኣልዮና።
በቶም ሓደጋታት ዝበፅሑ ስነ -ኣእምሮኣዊ ፀገማት ነቶም ግዳያት ጥራሕ ከይኮነስ ንመላእ ስድርኦምን ማሕበረሰብን ምዃኑ ዝሓበረት እታ ወሃቢት ቃል ብፍላይ ኣብ ገፀራት ትግራይ ስግኣት እቲ ሓደጋ ዝበኣሰ እዩ ኢላ።
ካብ ነተጉትን ተተኮስትን ምፅራዮምን ዘይምፅራዮምን ርግፀኛ ኣብ ዘይትኾነሎም ከባቢታት ከም ዝፃወቱ ዝርድኡ ወለዲ ኣብ ከቢድ ጭንቂ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ ካብ ጭንቀቶም ዝገላግል ዘላቒ መፍትሒ ክግበር ፀዊዓ።


መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ከምኡ ምምካን ነተጉትን ተተኮስትን ብቆራፅነት ክሰርሑ ውን ፀዊዓ ንፍራንስ 24 ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ።
ኣብ ትግራይ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ነተጉትን ተተኮስትን ዘብፅሑዎም ሓደጋታትን ብዝምልከት ቴሌቪዥን ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሰርሖም ፀብፃባት ምግላፁ ይዝከር።
#ብኪሮስ መሓሪ