Home ዜና ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕራቶርያ ከምዝተኣሳሰሩ ተገሊፁ

ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕራቶርያ ከምዝተኣሳሰሩ ተገሊፁ

235

መቐለ፥ 11 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስቲት ጨንፈር መቐለ ኣብ ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝሰርሑ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣግባብ ኣፈታትሕኦምን ዘቲዩ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት መፍትሒ ዘይምርካቦም ምስ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕራቶርያ ከምዝተኣሳሰሩ ተገሊፁ ።እቲ ስምምዕነት እንትትግበር ድማ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜትን ሕማምን ዝበፅሕዎ ዘለው በደላት ብዘላቂነት ክፍታሕን ኣብ ልዕሊኡ ሰብኣዊ ጥሕሰት ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገብርን ንግዳያት እቲ ጥሕሰት ድማ ክከሐሱ ዘኽእልን ከም ዝኾነ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት መራሒ ጉጅለ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ጨንፈር ትግራይ ፋቡንዴ ኣንሱማና ገሊፆም።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳይ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ወዲ ሰብ ከምዝኾነን ኩሉ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሐሉ ከምዝግባእን ውን ሓቢሮም።

ትካሎም ድማ እዚ ውራይ ሒዙ ኣብ ስርፀትን ስራሕቲ ምብርባርን ሰብኣዊ መሰላት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ከይዲ ትግበራ እንታይ ከምዝመስሉ ምስ ህሉው ኩነታት ኣተኣሳሲረን መበገሲ ሓሳብ ዘቕረባ ወ/ሮ ፅገ ገብረሚካኤል ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስቲታት ነቲ ስምምዕነት ኣብ ዝፈረማ ሃገራት ኮነ ዘይፈረማ ሃገራት በቲ ዝድለ ኣገባብ ከምዘይፍፀሙን ነቲ ፍፃመ ዝምጥን ፍትሒን ተሓታቲነትን ኣብ ምርግጋፅ ጉድለታት ከምዘለው ገሊፀን።

ንግዳያት ድማ እኹል ካሕሳ ክረኽቡን ስራሕቲ ሕውየት ክስረሐሎም ኣብዚ ዓውዲ ዝሰርሑ ኣካላት ትኹረት ክህቡሉ ይግባእ ድማ ኢለን።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግዲኦም ኣብ ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙን ነቲ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ዝምጥን ተሓታቲነትን ፍትሒን ከምዘይተረጋገፀን ነዚ ንምግባር ከምዝሰርሑን ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ከፊቱ ተግባራዊ ስራሕቲ ምጅማሩ ንኢዶም።
ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ድማ ብመርትዖታት ብምስናድን ነዚ ፀገም ከይድገም ከምዝሰርሑ እቶም ተሳተፍቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሳለጠ ዘተ ሓፈሻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣተገባብራኦምን ፣ ዘረባታት ፅልኢትን ሳዕቤናቶምን ፣ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን በሰላታቶምን ካልኦትን ዝብሉ ሐሳባት ቀሪቦም ተዘቲዩሎም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብፍትሒ ክስነዩን ተሓታቲነት ንክህልዎምን ብቀፃሊነት ምስ መድግቲ አካላት ተመሳሳሊ ዘተ ከምዝካየዱ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

#ብሰለሙን _በርሀ