እቲ ቢሮ ነዙይ ዝበለ ምስ ተወከልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ትካላት ሃይማኖትን ማሕበራትን ዝተረኸብሉ ኣብ ምእካብ ምህርትን ምክልኻል ብኽነትን ዘተኮረ ዘተ ማሕበረሰብ ኣብ ዘሳለጠሉ እዩ።
መዛተዪ ሓሳብ ዘቕረቡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ኣብ 2016/2017 ዘበነ ምህርቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ልዕሊ 700 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ ካብዚ ብመሰረት ቀዳማይ ዙር ገምጋም ልዕሊ 13 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ክርከብ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
እዚ ምህርቲ ብዝናብን ካልኦት ምኽንያታትን ከይባኽን ዘዝበፅሑ ዝራእቲ ቀልጢፍኻ ንምእካብ ኩሉ ክረባረብ እውን ፀዊዖም ዶ/ር እያሱ።

ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓያል ዝናብ ከምዝህሉ ትንበያታት ሚቲዮሮሎጂ ከም ዘመላኽቱ ዘረድኡ ዶ/ር እያሱ ሕ/ሰብ ዝራእቲ ቀልጢፍኻ ኣብ ምእታው ዝጀመሮም ንጥፈታት ክቕፅሉ ኣተሓሳሲቦም።
ብውዳበ ንምዕፃድን ንምዝባጥን ዝሕግዙ ናውቲ ብምቕራብ ምድላወት ይገበር ከምዘሎ ውን ገሊፆም።
ልዕሊ ዓቐን ድግስ ምህርቲ ብዘይኣግባቡ ክባኽን ዝገብርን ኩለመዳይ ብርሰት ዘስዕብን ጎዳኢ ልምዲ ስለ ዝኾነ ንክተርፍ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ፃዕሪ ከም ዝሓትት ድማ ኣረዲኦም ዶ/ር እያሱ።
ኣብ ምእካብ ምህርቲ ኩሉ ክወፍር ይግባእ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሓረስታይ ትግራይ ዝናብ ፍርያቱ ከባኽንን ከበላሹን ከም ዝኽእል እናፈለጠ “በዓል እዩ” ኢሉ ኾፍ ኢሉ ይፅበ ስለ ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት ዝኽበሩ በዓላት ፈልዮም ኣብ ምርዳእ ክነጥፉ ሓቲቶም።



እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይን በቢ ከባቢኡ ዝኽበሩ በዓላትን ዓንቀፍቲ ይኾኑ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።
ልዕሊ ዓቐን ድግስ ከም ህዝቢ ናብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም እናእተወና እዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ክገብረሉን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ውዳበ ተፈጢሩ ብኽነት ንምንካይ ከይኮነስ ንምትራፍ ክንሰርሕ ይግበኣና ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ።
ብኸነት ንምትራፍ ተሰካር ኣይንባርኽን ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣለው ኣብ ኩሉ ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ ንክህሉ ድማ ነዚ ዝድግፍ መምርሒ የድሊ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ወገናት ዝበልዑዎ ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን ስለዘለና ኢሎም ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት።


ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምግቢ ብምጥፋእ ዝኽሪ ዝብል ኣስተምህሮ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ የለን ድማ ኢሎም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት።
#ብኪሮስ_መሓሪ