Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራናን ልምዓትን እንዳሰፍሐ ክኸይድ ይስራሕ ከምዘሎ ሌ/ ጀነራል ፃድቃን...

ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራናን ልምዓትን እንዳሰፍሐ ክኸይድ ይስራሕ ከምዘሎ ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም።

291

ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን “ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ” ብዝብል ቴማ ዋዕላ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ልምዓትን ንምስፋሕ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ካብቶም ቀንዲ ውራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓደ ንቀፃላይ መረፃ ምችው ባይታ ምፍጣር ስለዝኾነ ነዙይ ዝሕግዙ ፕሮግራማት ይካየዱ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቲ ዝካየድ መረፃ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምስ ተመለሱ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምስ ተረጋገፅን ከምዝኸውን ገሊፆም።

ነዙይ ንምግባር ድማ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ትልሚ ተታሒዙ ዓቅሚ ህዝቢ ትግራይ ንምእካብ ተከታታልቲ ዋዕላታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ኣርዲኦም።

ኣብ ስልጡን ማሕበረሰብ ሚድያ ዘለዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ርኡይ ተራ ንክፃወት ምስራሕ እዩ ኢሎም።

እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ግደ ሚድያ ኣብ ምሕደራ ትግራይ እውን ሓደ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም።

እዙይ ኣብ መቐለ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ድማ ብቀፃሊ ወለዶ ንዝፍጠሩ መራሕቲ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ “ሚድያን ፖለቲካዊ ምሕደራን ትግራይ” እንታይ ይመስል ብዝብል ድማ ብምሁራን መፅናዕታዊ ፅሑፋት እንዳቐረበ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምሁራን፣ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያን ተረኺቦም እዮም።

#ይብራህ_እምባየ