ንኣማኢት ኣሸሓት መትከሊ እግሪ ዝዀውን ቴራ ፕሮጀክት ዓርሰ ምርኰሳ ይዝተየሉ ኣሎ።
ቴራ ፕሮጀክት ዓርሰ ምርኰሳ ፡ ዓቕምን ጸጋን ተጋሩ መሬት ትግራይን ብምጥቃም ፥ ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዓብዪ እታዎት ክህልዎ ትጽቢት ይግበር ክብሉ ድማ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊጾም።
ቴራ ፕሮጀክት ዓርሰ ምርኰሳ ኣስታት 300 ሽሕ መናእሰይ ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕ ክዀኑ እዮም ዝበላ ድማ ሓላፊት ካብኔ ሴክረታርያት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምርምርን ምህዞን ትግራይ ዶ|ር ኣልጋነሽ ተሰማ እየን።
ኣብዚ ፕሮጀክት ልዕሊ 400 ፕሮጀክትታት ከምዝተዋህለለ ዝገለጻ ዶ|ር ኣልጋነሽ ተሰማ ፤ ካብዚ 300 ፕሮጀክት ብምምራጽ 30 ሚኢታዊት ሙሉእ ቢዝነስ ትልሚ ከም ዝተዳለወ እውን ኣረዲአን።
እቲ ፕሮጀክት ብኣሰናድእነት ካብኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ምርምርን ምህዞን ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ‘ዩ ተዳሊዉ።