Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሚልዮን ብር ዝተመደበሉ መባእታዊ ሆስፒታል ህንፀቱ ተጀሚሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሚልዮን ብር ዝተመደበሉ መባእታዊ ሆስፒታል ህንፀቱ ተጀሚሩ።

150

መቐለ፥5 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሚልዮን ብር ዝተመደበሉ መባእታዊ ሆስፒታል መቐለ ህንፀቱ ተጀሚሩ።

ብከንቲባ ከተማ መቐለ ዶክተር ረዳኢ በርሀ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ኣብ ዝህነፁ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዑደት ኣካይዱ።

ቅድም ክብል ጥዕና ጣብያ ኮይኑ የገልግል ኣብ ዝነበረን ሕዚ ድማ ኣብ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ካሬ ዝዓርፍ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሚልን ብር ዝተመደበሉ መባእታዊ ሆስፒታል መቐለ ህንፀቱ ዝጀመረ እንትኾን በቶም ኣመራርሓ ዑደት ተገይሩሉ ።

ብተመሳሳሊ እቲ ጉጅለ ኣመራርሓ ኣብ ፕሮጀክት መስፋሕፍሕን ሕድሳትን ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዑደት ዘካየደ እንትኾን፣ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ዘመናዊ ማሽን መቃፀሊ ጎሓፍ እቲ ሆስፒታል ናብ ኣገልግሎት ምብቅዑ ድማ ኣብቲ ዑደት ተገሊፁ እዩ።

ኣብዚ በጀት ዓመት ካብ ዝህነፁን ትኹረት ዝተገበረሎም ፕሮጀክታት ሓደ ዝኾነ ማእኸል መዘናግዒ ስቴድየም ዳፀባ እውን ፅሬቱ ብዝሓለወ መንገዲ ተሃኒፁ ንተገልገልቲ ክፍቲ ክኸውን ስራሕቲ ዝጀመረ እንትኾን፣ እቲ ኸይዲ ድማ በቶም ኣመራርሓ ዑደት ተገይሩሉ እዩ።

ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጀሚሩ ክሳብ ካስትል ዝካየድ ዘሎ ፅገና ኣስፋልት፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዝካየድ ህንፀት መንገዲ እውን ኣካል እቲ ዑደት እንትኾኑ፣ ኣብ ከይዲ ህንፀት እዞም ፕሮጀክታት ልምዓት ዘሎ ፀገም ንምፍታሕን ክትትል ንምግባርን ዝዓለመ ዑደት ከምዝኾነ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶክተር ረዳኢ በርሀ ሓቢሮም።

እዞም ፕሮጀክታት ልምዓት 12 ቢልዮን ብር ዝተመደበሎም ከምዝኾኑ እውን እቶም ከንቲባ ሓቢሮም።

#ብህሊና ኣርኣያ