ኣብታ ሃይማኖታዊ ጎንፂ ተላዒዑ ብዙሓት ተኸተልቲ እስልምና ዝሞቱላን ናዕቢ ዝቀነየላ ከተማ ጎንደር ተኸተልቲ እምነት እስልምና እታ ኸተማ ናብ ጎደና ወፂኦም ሓበራዊ በዓል ኢድ ኣልፈጥር ክግበር ዝግብኦ ስነስርዓት ሓበራዊ ሶላት ከምዘየኽበሩ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ነበርቲ ከተማ ጎንደር ዝኾኑ ተኸተልቲ እቲ እምነት ፀሪሑ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ስታድዮም እታ ከተማ ከይዶም ሓበራዊ ስግዳን ከይሰግዱ ስግኣት ድሕንነት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይታ ከተማ ቤትምኽሪ እስልምና ተኸተልቲ እቲ እምነት ስነስርዓት በዓል ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከኽብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ስዒቡ ከምዝኾነ ቢቢሲ ኣመላኺቱ፡፡
እቲ ቤትምኽሪ ሚያዝያ 23/2014 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ጉጅለ ፋሸሽቲ ኢትዮጵያ፤ ሓላፍነቱ ብጉቡኡ ብዘይዋፃኣሉ ኩነታት ህዝቢ ንባዕሉ ናብ ሓደጋ ከአቱ ኣይግባእን ክብል ገሊፁ ምንባሩ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡ስሞም ክፅራሕ ዘይደለዩ ተኸተልቲ እስልምና ብምውካስ ፤ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ መሳጊድ ኣዛን ምጋባር ደው ካብ ዝብል 4 መዓልቱ ከምዘቁፀረን ብምሕባር ፤ ተኸተልቲ እቲ እምነት ሃይማኖታዊ ግቡኦም ክዋፅኡ ከምዘይከኣሉን ኩሉነገር ፀው ዝበለ ምኻኑን ገሊፆም ክብል ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ኣቃሊዑ፡፡