ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ እቲ ውድብ “ኣብቲ ጉባኤ ንዘይተሳተፉ 16 ኣመራርሓ ኣባሪርና ኣለና እንትብሉ:-
ካብቲ ጉባኤ ንባዕሎም ዘግለሉ ኣመራርሓ ድማ “ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ነቲ ኻሊእ ከባርሩ ሕጋዉን ሞራላውን ስልጣን የብሎምን” ኢሎም ።
መቐለ፥ 8 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ኣብ ክልተ ጉጅለ ዝተመቐሉ ኣመራርሓ ህወሓት ነኒባዕሎም ዝካሰስሉ መግለፅታት ኣብ ምውፃእ ተፀሚዶም ይርከቡ።
ነቲ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ 6 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅዎ መግለፂ ንምክትል ኣቦመንበር እቲ ውድብ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ካብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ንባዕሎም ዘግለሉ 16 ኣመራርሓ ፤ ” ካብቲ ውድብ ከምዝተባረሩን ንህወሓት ወኪሎም ምንም ዓይነት ስራሕ ክፍፅሙ ከምዘይኽእሉን ወሲና ኣለና” ኢሎም ።
ዓርሶም ካብቲ ጉባኤ ዘግለሉ ኣመራርሓ ድማ 8 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅዎ መግለፂ “ንሕገ መንግስትን ሕገ ደንቢ እቲ ውድብን ብምጥሓስ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ንኻሊእ ከባርሩ ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሎምን” ብምባል “ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦን ማእኸል ዕግርግርን ንምግባር መደብ ከምዘለዎም ግልፂ ገይሮም ኣለዉ” ኢሎም።
ብኻሊእ ወገን ነቲ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ “ካብ ሰራዊትን ዝተተክኡ ኣመራርሓን ብዝተውፃእፀአ ኮሚቴ ብዝተገበረ ምፅራይ ብገበን ግዕዝይና ዝጥርጠሩ ነበር ኣመራርሓ ተፈልዮም እዮም ። እቶም ብግዕዝይና ዝጥርጠሩ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ተሓታትነት ክረጋገፅን ዝምልከቶም ኣካላት ፍትሕን ፀጥታን ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ንፅውዕ” ኢሎም እዮም።
ዓርሶም ካብቲ ጉባኤ ዘግለሉ ኣመራርሓ ድማ ነቲ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ 50 ዓመት ዘቑፀረ ውድብ ህወሓት ከም ሓዱሽ ክምዝገብ ብምግባር መኸተ ትግራይ ዝኽሓዱ እዮም: ህዝቢን ዲያስፖራን ክቃለስዎም ንፅውዕ” ብምባል ሕጋዊ ሰውነት ህውሓት ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ፖለቲካዊ ዘተ ከምዝጅምሩ ገሊፆም።
ብኣንፃሩ ብፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ እናተመርሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝተኻየዱ ህዝባዊ መድረኻት ዝተሳተፉ ክፋላት ሕብረተሰብ፤ ኣመራርሓ ህወሓት ኣፈላላዮም ኣፅቢቦም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ከውፅኡ ምፅውዖም ይዝከር።
ኣብ ሱዳን ኣፅሊሎም ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ 5 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ መራሕቲ ስደተኛን ተመዛባልን ናብ መረበቱ ንምምላስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ቀዳምነት ክህብዎ ምምሕፃኖም ዝፍለጥ እዩ።
ምክትል ፕሬዝደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፤ 4 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቁፅፃር ክፍትኑ ከምዘይብሎም፣ ዓርሶም ካብቲ ጉባኤ ዘግለሉ ኣመራርሓ ህወሓት ድማ ኣብ መሓውር መንግስቲ ሽግሽግ ክገብሩ ከምዘይብሎምን ምግላፆም ይዝከር።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ነባር ኣመራርሓ ህውሓትን ዶ.ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እውን 2 መስከረም 2017 ዓ.ም ንድወት ኣብ ዝሃብዎ ሪእቶ “መራሕቲ ህወሓት ዘለዎም ኣፈላላይ ሰላም ህዝቢ ብዘየፍርስን ብልዝብን ክፈትሑ ይግባእ” ምባሎም ይዝከር።
#ዛይድ-ተስፋይ