መቐለ፥13 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፈ ኩሉ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኣብ መስርሕን ረብሓን ዳግመ ፅንበራ(DDR) ተረባሒ ክኾውን እዩ ኢሎም ምክትል ኮሚሽን ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ተጋዳላይ ተስፋኣለም ይሕደጎ።
እቲ መስርሕ ግን ብቕደም ሰዓብ ከምዝፍፀም ገሊፆም ኣለው።
274 800 ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዘለው ምስ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተዛሪቦም።
ቁፅሪ ሰራዊት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ሰራዊት ትግራይ ዝመፀአ መረዳእታ ከምዝኾነን ኩሉ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ዝምልከቶ ረብሓ ክረክብ ግድን ምዃኑን ኣብሪሆም።
ነቶም ኣብ ቀደማይ ዙር ናብ ማሕበረሰቦም ዝፅንበሩ ዘለው ኣባላት ሰራዊት 60 ሚልዮን ዶላር ኣተኣኻኺብና ኣለና ዝበሉ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሐዚ ዝወሃቦም ገንዘብ ናብ ሒሳብ ቁፅሮም ከምዝኣቱን ቀፀልቲ ሞያዊ ሓገዛትን ዕድል ትምህርትን ከምዝመቻቸወሎምን ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅል እዋን ፋይናንሳዊ ሃፍቲ እንትርከብ ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበር እዩ ኢሎም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነይሮም ናብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፀንበሩ ይኹኑ ኣይኹኑ ድሕሪ እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ዲሞቢላዜሽን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክረኽብዎ ዝግበኦምኦም ረብሓ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ ኢሎም።
እዚ ድማ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብዕሊ ከምዝጅመር ኣብሪሆም።
ድሕንነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋፅ እቲ ሐዚ ንፍፅሞ ዘለና ዲሞቢላዜሽን ሓጋዛይን ስግኣት ዝፈጥር ከምዘይኮነን ገሊፆም። ነዚ ድማ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ስግኣት ናብ ምትእምማን ንምምፃእን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ንምፍፃምን ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝግባእ ንክፍፀም ቃልሲ ኩላትና ይደሊ ዝበሉ ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ተጋዳላይ ተስፋኣለም ይሕደጎ፡ ነቶም ጀጋኑና ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም እግሪ ንምትካል ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
እቶም ሐዚ ናብ ማሕበረሰብ ዝሕወሱ ዘለዉ ጀጋኑ እግሪ ንክተኽሉ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሕብረተሰብን ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሕግዝን ኣብ ጎኖም ክኸውንን እውን ፀዊዖም።
ትግራይ ንዝበፅሓ ዕንወት ዳግም ንምህናፅን እግሪ ንምትካልን ብዝሕግዝ መንገዲ ኩሉ ማሕበረሰብ ትግራይ ክሕግዝ ፀዊዖም።
#መለስ ኣለማት