Home ዜና ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጥንታውያን ሓድግታት ብኳዕቲ ተረኺቦም።

ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጥንታውያን ሓድግታት ብኳዕቲ ተረኺቦም።

108

መቐለ፥ ግንቦት 13/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሓድነት ቁሸት ሰጣ ፍሉይ ስሙ ” ማይቅጫዎ ” ዝተብሃለ ቦታ ሓድግታት ብኳዕቲ (ኣርኬኦሎጂ) ከም ዝተረኸበ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ዙሪያ ቱሪዝምን ሓድግን ዝነጥፉ መምህር ሓጎስ ገብረማርያም ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቶም ሓድግታት ኣይተ ሚኬአለ ተስፋማርያም ዝተብሃሉ ነባራይ ጣብያ ሓድነት ሓረስታይ ንሕርሻዊ ማእቶት እንዳኳዓቱ ከምዝረኸብዎም ገሊፆም።

ሰብ ሞያ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራትን ባህልን ቱሪዝምን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምን ብሓባር ብምዃን ኣብቲ ቦታ ናይ መጀመርታ ትዕዝብቲ ምክያዶም ሓቢሮም።

ኣብቲ ቦታ ዓታሩ ፣ሳናቲም፣ መጋየፂታትን ፍሉያት አእማንን ከም ዝተረኸቡ ተዛሪቦም።

እቶም ዝተረኸቡ ቅርስታት ብፍላይ እቶም አእማን ካብ ካሊእ ቦታ ዝመፁን ምስ ስልጣነ ዘበነ ኣኽሱም ዝመሳሰሉን ምዃኖም ሓቢሮም።

ነዙይ ድማ ዝርዝር መፅናዕቲ ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ካልኦት መድረግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ሃፍቲ ቱሪዝም ናብ ረብሓ ንምውዓል ከምዝሰርሑ መምህር ሓጎስ ገሊፆም።

ብይብራህ እምባየ