Home ስፖርት ኣብ ውድድር ብሽክሌታ መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም

ኣብ ውድድር ብሽክሌታ መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ/ም

63

ብማውንቴን ደቂ ተባዕትዬ ኣዶናይ ፊልሞን ካብ ራይት ማይ ዓድግራት ብኮርሶ ደቂ ኣንስትዬ ፅጌ ካሕሳይ ካብ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ተዓዋቲት ኮይኖም።

መቐለ፥መስከረም 9/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቅድድም ብሽክሌታ መስቀል ዓጋመ 2017 ዓ.ም ዕለተ ሓሙስ ብውድድር ማዉንቴንን ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ዝቐፀለ እንትኸዉን 45 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ማዉንቴን ደቂ ተባዕትዮ ኣዶናይ ፊልሞን ካብ ራይት ማይ ዓድግራት እንትዕወት ኢብራሂም መርዙቅ ካብ ፕሮጀክት ሃ/መለኮት ለገሰ ሰለሙን ካብ ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓዲግራት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ረኺቦም ። እቶም ብሽክሌተኛታት ብሰዓት 36.23 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዞም እዮም።

65 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮርስ ደቂ ኣንስትዬ ድማ ፅጌ ካሕሳይ ካብ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ቀደማይ ደረጃ ረኺባ ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኾይና። ራሄል ታመነ ካብ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ሄለን ፍስሃ ትራንስ ኢትዬጵያ ካልኣይን ሳልሳይ ደረጃ ብምርካብ ተሸለምቲ ሜዳልያታት ብሩርን ነሓስን ኮይነን። እተን ተቀዳደምቲ ብስዓት 32.39 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዘን እየን።

ብጋንታ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ፣ ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ 70 እንደርታ ብቅደም ስዓብ ካብ ቀደማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን።

እቲ ወድድር ዓርቢ ዕረፍቲ ብምግባር ቀዳም ብውድድር ማዉንቴን ደቂ ኣንስትዮን ኮርሶ ደቂ ተባዕትዮን ክቕፅል እዩ።

#ሓበን ካሕሳይ