Home ዜና ኣብ ዓለም ኣብ ነብሲ ወከፍ 10 ደቒቓ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ብመቕርባ ትቅተል ኣላ-መፅናዕቲ...

ኣብ ዓለም ኣብ ነብሲ ወከፍ 10 ደቒቓ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ብመቕርባ ትቅተል ኣላ-መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

53

መቐለ፥17 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ኣብ 2023 ኣስታት 85 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግዳይ ግፍዓዊ ቅትለት ኾይነን ኢሉ ብምኽንያት ቅነ ምክልኻል ጥቅዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝወፀ ሓድሽ መፅናዕቲ ።

60 ሚእታዊ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝተፈፀመ ቅትለት ብመቅርበንን ናይ ቀረባ ኣዝማደንን እዩ ዝበለ መፅናዕቲ ቤትፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ምክልኻል ገበንን መድሓኒትን (unodc) : ኣፍሪካ ኣብ 2023 ልዕሊ 20 ሽሕ ቅትለት ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ብምምዝጋብ ቅድሚት ትስራዕ ኢሉ።

ኣብ ዓመተ 2023 መዓልታዊ ኣስታት 140 ቅትለት ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ምፍፃሙ ዘነፀረ እቲ መፅናዕቲ: እዚ ማለት ኣብ ዓለም ኣብ ነብሲወከፍ 10 ደቂቅ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ሂወታ ይሓልፍ ማለት ዩ ክብል ርኽበት መፅናዕቱ ኣቐሚጡ።

እቲ ቅትለት ደቂኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ብኢድ ናይ ቀረባ ዝብለኦ ሰብ ይፍፀም ምህላው ፍሉይ ይገብሮ ዝበለ መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: እዚ ድማ ዘሕዝን ዓለምለኻዊ ክውንነት ኾይኑ ይቅፅል ምህላው ዕላዊ ጌሩ።

ነዚ ቅንያት ኣመልኪቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ብግዲኦም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ንሰብኣውነት ዘዋርድ ዘሎ መሕፈሪ ተግበር ዩ ዝበሉ እንትኾን: ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ህፁፅ ዓለምለኻዊ ምላሽ ይጠልብ ኢሎም።

ዓለምለኸ መዓልቲ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ገበን ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 10 ታሕሳስ 2024 ብወፍሪ ምዕባይ ግንዛበ 16 መዓልታት ( 16 days of activism campain ) ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን: #Noexcuse ብዝብልን ካልኦት ግንዛበ ብዘዕብዩን ንምርግጋፅ ተሓታትነት ዝሕግዙ ምንቅስቃሳትን እናቐፀለ ይርከብ።

#ዮርዳኖስ_ ገ/ስላሴ