መቐለ፥11 ታሕሳስ 2017 (ቴሌቪዥን ትግራይ )
ኣብ ዙርያ መሬት ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ዘበናዊ ኣሰራርሓታት ብምትእትታውን መምርሕታት ብምድላውን ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ።
ኣብ ጉዳይ መሬት ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይንቡር ኩነታት ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ሰራሕቲ ምስ ጀመርና ናብ ንቡር ኩነታት መፂኡ ኣሎ ኢሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ አይተ ገብረሚኪኤል እኑን።
ብ1996 ከምኡ ውን ብ2003 ዓ/ም ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተዋ ከባቢታት ዝነብር ማሕበረሰብ ንፁር መምርሒ ብዘይምንባሩ መሬቱ ብኣግባቡ ንከይጥቀም ተፀጊሙ
ፀኒሑ እዩ ሐዚ ነዚ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መምርሒ ኣውፂእና ኣለና ኢሎም።

ን 20 ዓመት ዝፀንሐ ፀገም እንታይ እዩ ኢልና መፅናዕቲ ምስ ኣካየድና ኣብተን ናብ ከተማ ዝኣተዋ ጣብያታት ዝተረስዑ ገባራትን መናእሰይን ረኺብና እዚ ንምፍታሕ ውን መጠሻ ዝረኽቡሉ በዓል 10 ነጥቢታት
መምርሒ ከም ዝወፀ ኣረዲኦም።
በቲ መፅናዕቲ ፀገም ካሕሳ ምህላውን ከምዝተፈለጠን መምርሒ ካሕሳ ከም ዝወፀን ብምግላፅ፣ ብመሰረት እዚ ካሕሳ እውን ከም ዝተመሓየሸን ኣብሪሆም።
መምርሒ ብዘይምንባሩ ኣብ ነባር ትሕዝቶ ግልጋሎት ዘይረኸቡ ወገናት ከምዘለውን ነዚ ዝፈትሕ ኣሰራርሓ ከም ዝተኣታተወ እውን ገሊፆም ።
መንግስቲ ሓርበኛታት ኣብ መሬት ተጠቀምቲ ዝኾኑሉ ዕድል ንምፍጣር ብመምርሒ ተደጊፉ ይስራሕ ከም ዘሎ እውን አይተ ገብረሚኪኤል እኑን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ንደለይቲ መሬት 3ይ ዙር ዓርሰ ምትሕግጋዝ ድማ መምርሒ ወፅዩ ዝተረፈ ዲዛይን እዩ ዝበሉ ኣይተ ገብረሚካኤል ንሱ እንተተወዲኡ ብመሰረት ዘለና ሃፍቲ መሬት ምሃብ ክንጅምር ኢና ኢሎም ።
መምርሒ ሊዝ እውን ወፅዩ ጉዳይ ሊዝ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልትታት ግልጋሎት ንምሃብ ተዳሊና ኣለና ዝበሉ ኣይተ ገ/ሚኪኤል ዘበናዊ ካዳስተር ስርዓት መሬት ንምጥያሽ ምድላው ከም ዝተገበረን ተገልጋሊ ኣብ ገዝኡ እናሃለወ ግልጋሎት ዝረኽበሉ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ይተኣታቶ ከም ዘሎን ሓቢሮም።
እቶም መምርሕታት ምስ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ውን ተኣሳሲሮም ንክኸዱ ምስ ዝምልከቶም ሴክተራት ብምውዳድ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ብስም ኢንቨስትመንት መሬት ብዛዕባ ዝሓዙ ኣካላት ድማ ዘልመዐን ዘየልመዐን ፈሊና ነቲ ዘየልመዐ ብመፅናዕቲ ነፂርና ንውሳነ ናብ ካቢኔ ኣቕሪብና ኢና ኢሎም።
መንግስቲ ንኹሉሎም ፀገማት ክፈትሑ እዮም ዝበሎም ኣሰራርሓታት አውፂኡ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ሕ/ብ ነዚ ተረዲኡ ሓጋዚ ክኾንን ፀዊዖም።